2012-04-17 14:27:00

ብምኽንያት መበል 85 ዓመት ልደት ቅዱስ ኣቦና ካብ መላእ ዓለም ናይ ዕንቋዕ ሓጐሰኩም መልእኽቲ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ዕለት 16 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም. መበል 85 ዓመት ልደቶም ከምዘብዓሉ እንክንገር፣ ካብ መላእ ዓለም መንግሥታትን ምእመናንን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታትን ካብ ካልኦት ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕትን ናይ ዕንቋዕ ሓጐሰኩም መልኽታት ይመሓላለፍ RealAudioMP3 ከምዘሎ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፍን ናይ ራዲዮ ቫቲካን ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፣ ከምኡ እውን ዕለት 19 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም. ብፁዕ ካርዲናል ራትዚንገር ንመንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተሾሙሉ ሻብዓይ ዓመት ከምዝዝከርን በዚ ምኽንያት እውን ተመሳሳሊ መልእኽታት ይመሓላለፍ ኣሎ።
እዞም ንኵላዊት ቤተ ክርስትያን ብጥበብን ብዓብይ ሓይልን እምነትን ዝመርሑ ዘለዉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ጸጋ እግዚኣብሔር ኢዮም፣ ምእንቲ’ዚ ንእግዚኣብሔር ምስጋና ይኹኖ፣ ዋላ’ኳ እዚ ተልእኾ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዕድመ ምድፋእ ዝተረከብዎ እውን እንተመሰለ፣ ብሓቂ ጽዑቕን ሃብታምን ኣገልግሎት የወፍዩ ከምዘለዉን፣ ድላይ እግዚኣብሔር ንኵላዊት ቤተ ክርስትያን እዮም። ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት ዝሃብዎ ኣገልግሎት ብሓቂ ዝድነቕን ዝነኣድን እዩ።
ትሑትን ምእዙዝን ሕያዋይን ብቕዓት ኣቃልቦን ሓልዮቶምን ዝቐረቦም ኩሉ ዘስተውዕሎ ባህርይኦም ከምዝኾነን ንዝራኸብዎም ኣካላት ኣኽብሮት ዝተመልኦ ጽንታ ዝህቡን ንጹርን ዘይተደናገረ ሓሳቦምን ኣገላልጻኦምን ብሓቂ ዑምቀት ትሕዝቶ ሓሳቦም ዘደንቕ እዩ። ናይ ዝሓለፉ ናይ ሽውዓተ ዓመታት ጴጥሮሳዊ ኣገልግሎቶም ውሑድ ዓመታት እውን እንተመሰለ ትሕዝቶኡ ርኢኻ ዘገርም እዩ። መልኽቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ እግዚኣብሔርን ኣብ መንጎ ሰብን እግዚኣብሔር ዘሎ ርክብን፣ ኣብ ናይ ሕይወት ደረት ሰገር ባህርይን ከምኡ ኣውን ሰብኣዊ መንነት ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ማለት ከምሓቀይናን እንኰን ገላጺ ገጽ ኣብን ዘተኮረ ብምዃኑ፣ ብጊዜ ዝውሰን ኣይኮነን። ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 እዚ ናይ ቤተ ክርስትያን ምስጢረ ሃይማኖታዊ ኵርናዕ ነቲ ስልጣን ቤተ ክርስትያን ዝብል ኣመለኻኽታ ዝሰግር ምዃኑ ዘነጽር ኣገልግሎት የቕርቡን፣ ቤተ ክርስትያን ናብቲ ናይ ተልእኾኣ ማእከል ከተተኵር ዝመርሑ እዮም።
ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ካብ እምነት ናይ ዝምንጭ ደስታን ህድኣትን ኵላዊ ምስክርነት እዮም። እቲ ኣብ እዋናዊ ዓለም ዝሰፍሕ ዘሎ ተዛማዲ ባህሊ፦ ምእመናን ዘይምእማንን ብሓደ ዝሰርዕን ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዝንጽል ነገራውነት ጥራሕ ዝብል ባህሊ ናበይ ከምዘብጽሕ ዝትንትን ስልጣናዊ ኣስተምህሮ እናሃቡ፣ እቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን ብውሑዳት ኣባላት ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን ልኡካነ ወንጌልን ዝተፈጸመ ምስ ተልእኾ ጸዋዕታኦም ዘይወሃሃድ እምነት ናይ ምጕዳል ተግባራቶም ምኽንያት ብዙሕ ከምእተሳቐዩ ኣባ ሎምባርዲ ሓቢሮም፣ እንተኾነ ግን ናይ ሓቀይና እምነት ሰብን፣ ከውሒ እምነት ኮይኖም ኵሉ ኣብ እምነት ከጽንዑ ዝተጸውዑ ብምዃኖም፣ ኣብ እምነትን ብእምነት ዝነብሩ ከምዝኾኑን፣ ናይቲ ዝተረጋግኤ መንፈሶም መሰረት እቲ ዘለዎም መሰረት ተስፋ ዝኾነ ዓቢይ እምነት እዩ ኢሎም።
ቅዱስነቶም ዝደረስዎ ተኸታታሊ ኢየሱስ ናዝርያዊ ዘርእስቱ መጽሓፎም እቲ ዘለዎምን ዝነብርዎን ጥልቂ መንፈሳውነትን ሊቅነት ቲዮሎጊያን ዝምስክር፣ ኵሉ ወዲ ቤተ ክርስትያን ክነብሮን ክስዕቦን ዝግብኦ መሰረት እምነት ዘነጽር እዩ። ኣብ እምነት ብእምነትን ከጽንዑ ዝተጸውዑ ከምዝኾኑ ዝሕብሩን ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ድማ ምእመናን ዝህብዎም ምትብባዕ ምኽንያት ንእግዚኣብሔር ዘመስግኑን እዮም ቢሎም፣ እግዚኣብሔር ክድግፎምን ጸግዒ ክኾኖምን ብስሞምን ብመላእ ስራሕተይናታት ራዲዮ ቫቲካን ንቕዱስነቶም ተመንዮም ኣንቋዕ ንመበል 85 ዓመት ልደት ኣብቅዓኩም እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.