2012-04-07 14:02:20

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ "ተኣዝዞ ንእግዚኣብሔር ጥራሕ ኢዩ ብሓቂ ቤተ ክርስትያን ዝሕድስ"


ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዕለት 5 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም. ጸሎተ ሓሙስ ከምዘብዓለት እንክፍለጥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካ ናይ ቅብኣ ቅዱስ ስርዓት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም “ቅድመ ኩነት ሓቀይና ሕዳሴ ቤተ ክርስትያን ተኣዝዞ ከምዝኾነ RealAudioMP3 ኣብ ዝብል ሃሳብ ኣማእኪሎም ሓቀይና ሕዳሴ ቤተ ክርስትያን ተኣዝዞ ከምዝሓትትን ተኣዝዞ መሰረት ሓቀይና ሕዳሴ ቤተ ክርስትያን ምዃኑ ኣረዲኦም።
ዕለተ ሓሙስ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምሥጢረ ክህነት ዝሰረዓላ ዕለት ብምዃና ኵላዊት ቤተ ክርስትያን በታ ዕለት እተቕርቦ ናይ ቅብኣ ቅዱስ ስርዓት መስዋዕተ ቅዳሴ ምስጢረ ክህነት ሓቀይና መሠረቱን ትርጉምን ብምቅላሕ ካህናት ከም ክርስቶስ ካእል/ተመሳሳሊ ክርቶስ ምዃኑ ተስተምህር።
ቅዱስ ኣቦና በታ ዕለት ምኽንያት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ካህን ንኽርስቶስ ክመስልን ኣብ ክርስቶስ ክጸንዕን፣ ካህን ንናይ ገዝእ ርእሱ ዘይነብር፣ ናይ እግዚኣብሔር ኮይኑ ስለ ዝተፈልየን፣ በዚ ድማ ክሳብ ፍጻሜ ገዛእ ርእሱ ንእግዚኣብሔር ዘወፈየን ካብ እግዚኣብሔር ተበጊሱን ንእግዚኣብሔር ኣሚቱን ዘገልግል ብምዃኑ፣ ገዛእ ርእሱን ናይ ገዛእ ርእሱን ስነ ሓሳብን ውልቃዊ ርእይቶኡን ዘበስር ኣይኮነን ቢሎም መሠረት ሓቀይና ሕዳሴ ቤተ ክስትያን ተኣዝዞ ምዃኑ ተንቲኖም፣ ነዚ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ሥልጣናዊ ስብከት ኣመልኪቶም ኣብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ መምህር ናይ ቲዮሎጊያ ስነ ግብረ ገብ ሊቅ ኣባ ማውሮ ኮዞሊ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ሥልጣናዊ ስብከት ነቲ ኣብዚ እዋን ካብ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዝንጽል ዓለማውነት ኣመለኻኽታ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋን፣ ካህን ናይዚ ዓይነት ኣመለኻኽታ ኣደዳ ኮይኑ ሓባሪ እግዚኣብሔር ዘይኮነስ ሓባሪ ገዛእ ርእሱ፣ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝምርኰዝ ንገዛእ ርእሱ ዝውክል ኮይኑ መታን ከይርከብ፣ ኣብ ኢየሱስ ክጸንዕንን ምሳኡ ክወሃሃድን ንኣኡ ክመስልን ኣለዎ፣ ስለዚህ ካህን ገዛእ ርእሱ ኣሰኒፉ ካልእ ክርስቶስን ተምሳል ክርስቶ ኮይኑ ክረክብ ዝተጸውዔ ኢዩ። ካብ ናይ ቤተ ክርስትያን ሥልጣናዊ ትምህርቲ ዘየንሳሕብንን ዝእዘዝን ክኸውን ኣልዎ፣ ተኣዝዞ ጥራሕ ኢዩ መሠረት ሓቀይና ሕዳሴ፣ ዘይ ምእዛዝ ለውጢ ኣይኮነን። ናይ ቤተ ክርስትያን ትውፊት ኣብ ናይ ሎሚ ቤተ ክርስትያን ቀጻልነት ዘለዎ ካብ ተኣዝዞ ብዝነቕል ሕዳሴ ዝቐውም እዩ። ቤተ ክርስትያን እቲ ትውፊት ኣብ ህልዎ ኩነት ኅያውነቱ እናረጋገጸት ኣትጓኦዓዝ ብምዃና እዚ እዩ ድማ እቲ ጥበበይና ዘብላ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ አጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.