2012-04-07 14:00:06

ሰሙነ ሕማማት ሥርዓት ጸሎተ ሳልስቲ
ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ "ወዲ ሰብ ኣንጻር እግዚኣብሔር ክቐውም እንከሎ ኣንጻር ሰብኣዊ ሓቅነቱ ይቐውም"


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 5 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም. ሥርዓት ሊጡርጊያ ጸሎተ ሓሙስ ሮማ ኣብ ግዳመ ግዝኣት ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ዮሓንስ ዘ ላተራኖ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ተረኺቦም ብኵላዊት ቤተ ክርስትያን ሥርዓት እምነት ድሕሪ ቐትሪ ዝብዕል ጸሎተ ሓሙስ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ RealAudioMP3 ኣብ መወዳእታ ድራር ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዝተቐመጠሉ መኣዲ ዝፈጸሞ ቅወማ ቅዱስ ቁርባንን ዝፈጸሞ ሕጽበተ እግር ደቀ መዛሙርቱ ቅብኣ ቅዱስ ዝተሠረዓሉ ሊጡርጊያ ከምዝመርሑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።
ጸሎተ ሓሙስ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ ቁርባን ሰሪዑ ዘቖመሉ ዕለት ጥራሕ ዘይኮነስ እታ ኢየሱስ ንብሕቱ ኣብ ጽምዋ ዝተረፈላ ጸላም ለይቲ ለይቲ ደብረ ዘይቲ ዘዘኻኽር ከምዝኾነ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስሞዎ ስብከት ገሊጾም፣ ኢየሱስ ንመላእ ዘርኢ ሰብ ሓዳሽ ዕለት እግዚኣብሔር ከበስርን ናብታ ምልክት ሞት ዝኾነት ጸልማት ይኣቱ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እታ ቀዳመይቲ በዓለ ፋሲካ ግብጺ ዘዘኻኽርን እዚ ድማ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ስደትን ስደት ኢየሱስ ኣብ እየሩሳሌምን ዝሕብር፣ ኢየሱስ ንእግዚኣብሔር ኣባ ቢሉ ዝጸወዓሉ እዋን ዘዘኻኸር ክምዝኾነን ገሊጾም።
ቅዱስ ሉቃስ ኢየሱስ ኣብታ ሰዓት ተንበርኪኹ ይጽልይ ከምዝነበረ ይሕብረና፣ ክርስትያን እንክብርከኽ ኣብ ናይ ኢየሱስ ጸሎት ደብረ ዘይቲ እዩ ዝኣትው፣ ኣብ ቅድሚ ዓለም እግሩ መሊኦም ደው ዝበለን ከም ውላድ እግዚኣብሔር ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዝተንበርከኸ እዩ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ምንብርካኽ ማለት ኣብ ቅድሚ ዓለም እግርኻ መሊኻ ደው ምባል ማለት ምዃኑ ኣረዲኦም፣ ኣብ ቅድሚ ኣቦ ምንብርካኽ ንመለኮታውነቱ ኣሜን ምባልን ንሱ ተኣማንነትና ከምዝስዕር ዝገልጽ ምልክት እውን እዩ ኢሎም።
ኢየሱስ ኣብታ ክሰትያ ዝተቓረበት መራር ጽዋዕ ዘሎ ውርደትን መከራን ክፍኣትን ሓሶትን ናብታ እተመልክት ለይቲ ቆላሕታኡ የንብር፣ ንጹሕን ቅዱስን ክነሱ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝዘንም ዋሕዚ ክፍኣት ናይዚ ዓለም’ዚ፣ ንዓይን ንዓኻን ምእንቲ ዅላትና ይጽሊ፣ እዚ ናብ ሞት ዘብጽሕ ኩነት ጓሂን ስቓይን ንናይ ምድሓን ከይዲ ኣገዳሲ ኵነት እዩ ምስ በሉ፣ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ሰብን ሰብኣዊ ፍቓድን ኣቡኡ እታ ጽዋዕ ካብኡ ከርሕቓ፣ ኩሉ ዝከኣሎ ምዃኑ ኣሚኑ ይሓትት፣ ኣንተኾነ ግን ንሱ ዝደልዮ ዘይኮነስ ድላይ ኣቡኡ ክፍጸም እንክብል፣ ኣቲ ናይ ኣዳም ባህርይ ኩሉ ይልውጦ፣ ትዕቢት እቲ ቀንዲ መሠረት ሓጢኣት እዩ። ወዲ ሰብ ነጻ ምዃኑ ክሓስብን ድላዩ ጥራሕ ክስዕብ እንከሎን ንእግዚኣብሔር ተጻይ ናይዚ ነጻነት’ዚ ገይሩ ይርእዮን ይሓስቦን። ኢየሱስ ግን ነዚ ዅሉ ዓይነት ኣነባብራን ኣመለኻኽታን ለዊጥዎን እንታይነት ሓቀይና ነጻነት ሰብ ብሕይወቱ ኣነጺርዎን ነቢርዎን ኢዩ። ወዲ ሰብ ኣንጻር እግዚኣብሔር ክቐውም እንከሎ ኣንጻር ሰብኣዊ ሓቅነቱ ይቐውምን ናጻ ዘይኮነስ ካብ ገዛእ ርእሱ ይጓነይን ይንጸልን።
ብሓቂ ናጻ እንኸውን ምስ እግዚኣብሔር ምስ ንሓበርን ኣብ ሓቅነት ሰብኣውነትና እንተድኣ ኣለና እዩ። ኢየሱስ ኣብታ ለይቲ ደብረ ዘይቲ ኣብ ናይ ጸሎት ቃልሱ ኣብ መግኖ ተኣዝዞን ናጽነትን ዘሎ ናይ ሓሶት ተጋራጨውነት ኣቃሊዑ፣ ናብ ሓቀይና ናጽነት ዝመርሕ ጎዳና ከፊቱልና ኢዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.