2012-04-07 14:04:36

ማሊ፦ ሕብረት ኣፍሪቃ ትዋረግ ዝኣወጆ ልኡላውነት ሃገር ነጺጉ


እቲ ኣብ ማሊ ተከኸሲቱ ዘሎ ሁከትን ውጥረትን ንምውጋድ ብዘተ ንኽፍታሕ ብዙሕ ኣብ ዝጸዓረሉ ዘሎ እዋን ብሔራዊ ምንቅስቓስ ናጽነት ኣዛዋድ እቲ ኣብ ማሊ ዝርከብ ንናይ ትዋረግ RealAudioMP3 ናጽነት ዝቃለስ ሓይሊ ትማሊ ናይታ ናይ ትዋረግ ባህሊ መሠረት ዝኾነት ኣዛዋዳ ብምቁጽጻር ናጽነት ከምዝኣወጀ እንክንገር፣ ሕበረት ኣፍሪቃ ከምኡ እውን ሃገረ ፈረንሳ እቲ ዝተኣወጀ ናጽነት ሃገረ ኣዛዋድ ከምዘይቅበሎ ብወግዒ ከፍልጥ እንከሎ፣ ኣቲ ዝተኣወጀ ናይ ማሊ ሰሜናዊ ከባቢ ሉኣላውነት ኣብ ናይታ ሃገር ኣቀማምጣ ሥነ መሬት ፖለቲካን ኣብ ጐረባብቲ ሃገር ማሊ ክህልዎ ዝኽእልን ኣብ ልዕሊ እቲ ሚዛን ናይቲ ከባቢ ሃገራት ዝህልዎ ጽልዋ ኣመልኪቶም ናይ ሥነ ኣፍሪቃ ሊቅ ሚላኖ ኣብ ዝርከብ ዩልም መንበረ ጥበብ ናይ ሥነ ኣቀማምጣ መሬት ዘርኢ ሰብ መምህር ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣቲ ኣብቲ ከባቢ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት ዘኸተሎ ምዝባዕ ናይቲ ከባቢ ዓለም ለኻዊ ትርጉም ክህልዎ ዝድርኽ ናይቲ ከባቢ ሃገራት ኣብቲ ጉዳይ ክዋስኣ ዝዕድም እዩ።
እቲ ኣብ ከባቢ ዘሎ ህልው ኩነታት ኣብ ግምት ኣእቲኻ እቲ ስዒቡ ዝመጽእ ዘበለ ኩነት ምስ ኣሸበርቲ ምስልምናን ጅሃዳውያንን ኣኽረርቲ ሓይልታት ክጸባጸብ እዩ፣ እቲ ናይ ገዳፊ መንግሥቲ ንምውጋድ ዝተገብረ ጻዕርን ብብዙሕ ጎድንታቱ ዝድገፍ እውን እንተነበረ ድሕሪ ምውዳቕ ገዳፊ ዝብል ናይቲ ከባቢ ፖለቲካዊን ማኅበራውን ኤኮኖሚያውን መዳያቱ ግምት ዘይሃበን ናይተን ተዳወብቲ ሃገራት ጠቕላሊ ኩነትን ኣብተን ሃገራ ከስዕቦ ዝኽእል ውጥረት ግምት ዘይሃበ እውን ብምንባሩ ንመንግሥቲ ገዳፊ ንምዕላው ዕማመ ዝተኸተሎ ስልቲ ናይቲ ከባቢ ተዳውብቲ ሃገራት ህልው ኩነት ኣብ ግምት ዘየእተወ እዩ። ስለዚህ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኵነት ዝተኣሳሰረ ብምዃኑ ኣብ ሓንቲ ናይቲ ከባቢ ሃገር ከተምጽኦ ኣትደሊ ለውጢ ዝተነጸለ ክኸውን የብሉን፣ ዝለዚህ ናይቲ ከባቢ ተዳወብቲ ሃገር ተዳዋቢ ፖሊቲካዊ ማኅበራዊ ኤኮኖሚያዊ ጉዳያተን ግምት ዝህብ ከይዲ ክኸውን ኣለዎ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.