2012-04-05 19:13:10

ዘይርስዑ ዕለታት ተስፋን ደስታን::


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ አብ ቅር ዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብዛዕባ አብ ዝሓለፈ ሳምንቲ አብ መክሲኮን ⷍዩባን ዘካየድዎ ሐዋርያዊ ምብጻሕ አመልኪቶም “ዘይርስዑ ዕለታት ተስፋን ደስታን” ቢሎም ገሊጾሞ እንከብቅ ዑ ነዚ ዝኽሪ ከአ “አብ ልበይ ተሐቲሙ ንወትሩ ክነብር ኢዩ” ብማለት በዚ ሐዋርያዊ ዑደት እዚ ዝተረኽቡ ፍረታት ዘርዚሮም። ከማኡ እውን ብዛዕባ ጸሎተ ሳልስቲ ፋሲካ እታ ሰዓት ጐይታ ብምሥራዕ ድራር ጐይታ ትጅምር ምዃናን ትርጉማን ገሊጾም ነዘን ሳልስቲ አብ ምሥጢረ ሞትን ትንሣኤን ጐይታ ክነተኵር ሓደራ ቢሎም።
ቅዱስነቶም ነቲ አብ መክሲኮን ⷍዩባን ዝገበርዎ ሐዋርያዊ ጕዕዞ ከምቲ ክትከታተልዎ ዝቀነኹም በብሓደ ምስ ተንተኑ ከም መደምደምታ ነዚ ር እይቶ እዚ ሂቦም። “እግዚአብሔር ይመስገን ሐዋርያዊ ጕዕዞ መክሲኮን ⷍዩባ ነቲ ሃረር ዝበልናዮ ግብረ ተል እኮ ኣዊ ዓወት አጨቢጡና። ሕዝቢ መክሲኮን ⷍዩባን ብሓድነት ቤተ ክርስትያንን ብወንጌላዊ ጽን ዓትን ናይ ሰላምን ሕውነትን መጻኢ ሕይወት ንክሃንጹ ካብዚ ሐዋርያዊ ምብጻሕ እዚ ዝ አክል ፍሬ ሓፊሶም” እንክብሉ ዕግበቶምን ተስፋኦምን ገለጹ።
እዚ አብ ክልተ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተገብረ ዑደት ሽሕኳ ናይ ሥር ዓታትን ካል እን ፍልልይ እንተለወን ዘለዎም ነቅ ዘይብል እምነትን ዝገበሩሎም ምውቅ አቀባብላን የመሳስለን። ቅዱስነቶም “በዚ ጕዕዞ እዚ ንምሉእ አህጉር ደቡብ አመሪካ ክሓቍፍ ደልየ” እንክብሉ ሃረርታኦም ገለጹ። አብ ከተማ ልዮን ምስ አተው ንዝረአይዎን ዘስተማቅርዎን ብምድንፋቅ እንክዝክሩ “ከም ምልክት ሰላምታን መግለጺ ፍቅርን ተዘርጊሐን አብ ዝነበራ ናይ አሽሓት ሰልፈኛታት አ እዳው አብቲ ብሓጐስ ተኸሊዑ ዝነበረ ገጻት አብቲ ናይ ታሕጓስ ጭርሖታት ጽኑዕ ተስፋ ክርስትያን መክሲኮ ተቀቢለ፡ እዚ ተስፋ እዚ ሽሕኳ ጸገምን ዓመጽን እንተጨነቆም ወትሩ አብ ልቦም ምስ በርሀ ኢዩ፡ ነዚ ጸገማትን ዓመጽን እዚ ነቶም አደዳኡ ኮይኖም ዝሳቀዩ ብ አካል ተቀቢለ አብ ዘዘራረብክሉ ግዜ አግሂደ አውጊዘዮ ኢየ።” ቢሎም።
ነቲ አብ ትሕቲ ዝተፈላለየ ጸገማትን ዓመጽን እንከሎ ወትሩ ጽኑዕን ሕጉስን ዝኾነ ሕዝቢ መክሲኮ ሐዋርያት ክርስቶስ ኮይኖም ነቲ ብክርስቶስ ዝርከብ ሐጐስ ከዕብዩ ከምዚ ክብሉ አዘኻኺሮም፡ “ሐዋርያት ክርስቶስ ክርስትያን ናይ ምዃንን አባላት ቤተ ክርስትያኑ ምዃንን ዝህቦ ሓጐስ ከዕብዩ አለዎም። ካብዚ ሓጐስ እዚ ወላ እውን አብ ትሕቲ ጽንኩር ግዜን ስቃይን ኮንካ ንክርስቶስ ንምግልጋል ዝኸውን ኃይሊ ይውለድ።” እንክብሉ ነቲ አብ ቅርዓት ወይ መበል ክልተ ሚእቲ ዓመት ነጻነት መክሲኮ አብ ልዮን ዝተአከበ ሕዝቢ ዘዘኻኸርዎ ብምጥቃስ አብ መክሲኮ ጽኑዕ እምነትን ትሑት ተአዝዞ ንቃል ወንጌልን ከምዝተዓዘቡ እዚ ከአ ንምሉእ አህጉር ደቡብ አመሪካ ምልክት ዘጸናንዕ ተስፋ ከምዝረኸቡ ገሊጾም።
ሓደ ካብቲ ምኽንያታት ሐዋርያዊ ምብጻሕ መክሲኮ ንዝኽሪ ነጻነት ክልተ ሚ እቲ ዓመት ብዝተገብረሎም ዕድመ እንክኾን ብኡ አቢሎም ከአ ናብ ⷍዩብ ንመበል 400 ዓመት ተረክቦተ ድንግል ዘፍቅር ደል ኮብረ ናይ ⷍዩባ ጠበቃ ከም ንግደት ንምስታፍ ነበረ። ከም መግለጺ አኽብሮ አብ እግሪ እዛ ፍቅርቲ ድንግል ብወርቂ ዝተሰርሔ ዕምባባ ጽገረዳ ከምዘንበሩን ከምዝጸለዩን ንኩሎም ጭኑቃት ብሕልፊ ንመን እሰያት ናብ አ ከምዘማዕቈቡን ገሊጾም።
“ንእምነቶም ሓዲስ ኃይሊ አልቢሶም ንእግዚአብሔር ዝሰፍሐ ባይታ ዝህብ ዝተሓደሰን ርሕውን ኅብረተሰብ ንምህናጽ ብትብዓት ምሕረትን ምርድዳእን ከበርክቱ ከምዘለዎም አዘኻኺረዮም፡ ምኽንያቱ ንእግዚአብሔር ቦታ እንተዘይሂብና ዓለም ወዲሰብ ክነብረላ ዘይክ እል ምኾነት።” ከምዝበልዎም እዚ ኸአ ነቲ ንጽባሒቱ አብ ሃቫና ንዝገበርዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ በሪ ዘርሑ ነሩ። አብ ሃቫና ድሮ አብ መክሲኮ ጀሚሮሞ ዝነበሩ ነጥቢ ብዛዕባ ነጻነት ሃይማኖት አስፊሖም ተዛሪቦም። “ⷍዩባን መላእ ዓለምን ለውጥታት የድልዮም አሎ፡ ኮይኑ ግን እዚኦም ለውጥታት ክርከቡ ዝኽ እሉ፡ ነፍሲ ወከፍ አብቲ ነቅ ዘይብል ብዛዕባ ወዲሰብ ዘሎ ሓቅታት ንምቅባል ክፉታት ምስ እንኸውን ከማኡ እውን ነቲ አብ ምሉእ ነጻነት ክትበጽሕ ናይ ግድን ዝኾነ ሕይወትካ አብ ሕይወት ክርስቶስ መሥሪትካ አብ ዙርያ እዛ ነጻነት ናይ ዕርቅን ሕውነትን ዘር ኢ ንምዝራእ ምውሳን የድሊ፡ አብ ር እሲ እዚ ጉዳይ ቤተ ክርስትያን ብዝምልከት ቤተ ክርስትያን ሓልፋን ክብርን ከምዘይትሓትት ኮይኑ ነቲ ናይ ተስፋን ሰላምን መል እኽቲ ዝሓዘ ወንጌል አብ ኩሉ ጽፍሒ ኅብረተሰብ ንምስባኽን እምነታ ብግልን ብማኅበርን ንምግላጽ ነጻነት ትሓትት” እንክብሉ ነቲ መሠረታዊ መሰል ነጻነት እምነት አነጺሮም ከምዝሓተቱ ገሊጾም።
አብ መደምደምታ ትምህርቶም ብዛዕባ በዓለ ጸሎተ ሓሙስ እንከስተምህሩ፡ “ኢየሱስ ነቲ ብኃጢአት ዝተመልከተ ድሩትነት ኩነታት ደቂ ሰብን ንዝኾነ አብ መንጎ እግዚአብሔርን ዘለዓለማዊ ሕይወትን ጋሪዱ ዝነበረ ሓጹር ሰጊሩ፡ ንሕና ከአ ነፍሲ ወከፍና ክሳብ መወዳእታ ብክርስቶስ ዝተፈቀርና ኢና ማለት “ኩሉ ተፈጺሙ” ቢሉ ቢሉ እንክጭርሕ ገዛእ ርእሱ አብ መስቀል ምእንታና አሕሊፉ ብምሃብ አፍቂሩና፡ ምሥጢረ ትንሣኤ አባና ክውን ክኸውን እንተደሊና እዚ ፍቅሪ እዚ ልብና ክትንክፈና ልብና ንኽፈተሉ፡ ንክልውጠና ከአ ፍቃደኛታ ንኹን።” እንክብሉ ነዚ ጸሎት ሳስልስቲ ትንሣኤ ክነፍርየሉ ተማሕጺኖም።








All the contents on this site are copyrighted ©.