2012-04-05 15:51:19

ኡጋንዳ፣ሰሙነ ሕማማት ብሱታፌ ምእመናን ዝተዓደለ


ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስያን ሊጡርጊያ ሰሙነ ሕማማት ብዓቢይን ጥልቅን መንፈሳውነት ትነብሮ ከምዘላ ኣብ ኡጋንዳ ንልዕሊ 30 ዓመት ዘገልገሉ ልኡከ ወንጌል RealAudioMP3 ኣባል ማኅበረ ኮምቦናውያን ኣባ ቶርኳቶ ፓውሉቺ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፣ ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዘገልገልሉ ነዊሕ ዓመታት፣ እዋን ዓቢይ ጾምን ሰሙነ ሕማማትን ኣብ ሕይወት ምእመናን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣፍሪቃ ዝንበር መንፈሳውነት ኣብነት ከምዝኾነ ከምዘረጋገጹ ገሊጾም። ናብ ፋሲካ ዘሰጋግር እዋን ተጋድሎን ጸሙን ጸሎትን ብመላእ ማኅበረ ክርስትያን ብግልን ማኅበረሰብን ዝንበር እውን ምዃኑ ገሊጾም፣ ብፍላይ እምነት ክርስትናን ጸጋ ምስጢረ ጥምቀት ዝቕበልሉን ካብ ቅዱሳት ምስጢራት ዝረሓቁ ደቂ ቤተ ክርስትያን ናብ ቤተ ክርስትያን ንኽምለሱ ዘተባብዕን ዝድግፍን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝሰፍሓሉ እዋን ብምዃኑ፣ ነዚ ዅሉ ርኢኻ በዓለ ፋሲካ ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብኸመይ ከምእትነብሮ ንጹር እዩ።
እቲ ዓቢ ሃብቲ ማኅበረ ክርስትያን ኡጋንዳ፣ ኣብ ቤተ ክርስትያን ምስ ጎይታና ኢየሱስ ምስ ተራኸቡን ምስ ተቐበልዎን ኢየሱስ ክርስቶስ ምልኣትን ትርጉምን ሕይወት ከምዝኾነ ምስ ዘረጋግጹ ዝነብርዎ ተሰፈይና ሕይወትን እዩ። ብርግጽ ዝተፈላለዩ ብድሆታት ኣለዉ፣ ድኽነትን ምግባረ ብልሽውናን ሃብቲ ገንዘብ ኩሉ እዩ ዝብል ኣመለኻኽታ ይሰፍሕ እውን ኣሎ። እዚ ድማ ንኽፍሊ ዓለም ኣፍሪቃ ዓቢ ብድሆ እዩ። ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ኣፍሪቃ ነዚ ንምብዳህ ኣብ ኣፍሪቃን ምስ ኣፍሪቃን ኮይና ብምግልጋል ኣብ ሕንጸት መዳይ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ብምቕራብ ነቶም ብድሆታት ንምብዳህ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዓቢ ተራ ከምእትጻወት ገሊጾም፣ ኣብዚ መቀራረቢ ናብ በዓለ ትንሳኤ ዘእግዚእነ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣፍሪቃ ዝንበር ምቅርራባት ኩለንተናዊ ተሳታፎ ዘነጽር እዩ። ብሓጺሩ ኣብ ሥርዓት ሊጡርጊያ ሱታፌ ምእመናን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ኣፍሪቃ ኩለንተናዊ ሱታፌ እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃል ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.