2012-04-05 15:49:42

በዓለ ፋሲካ ኣብ ሶሪያ ብዘይ ዓመጽ


ሕቡራት መንግሥታት ዓለም እቲ ኣብ ሶሪያ ዝተባርዔ ዓመጽን ውጥረትን ንኽውገድ ብፍልዩ ልኡኽ ንጉዳይ ሶሪያ ኮፊ ኣና ኣቢሉ ዘቕረቦ ናይ ሰላም መደብ፣ መንግሥቲ ሶሪያ RealAudioMP3 ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ጀሚሩ ኣሎ እንክብል መንግሥቲ ሩሲያ ክገልጽ እንከሎ፣ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ህሉው ኩነታት ሶሪያ ገምጊሙ ክብሎ ዝግብኦ ሓሳብ ከምዝኾነ እዩ ዝፍለጥ፣ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ዓለም ሓቆፍ ማኅበር፣ ሶሪያ ካብ ዕለት 27 መጋቢት 2012 ዓ.ም. እቲ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ሰላም ሰነድ ተቐቢለዮ ካብ ዝበለትሉ እዋን ንነጀው ዓመጽ ገና ከምዘሎን 17 ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም 232 ዜጋታት ሶሪያ ከምእተቐትሉ ዝገልጽ ሰነድ ከምዘቕረብ ክፍለጥ እንከሎ፣ ኣብ ሆምስ ዝርከብ ቤት ሕክምና ናይ 75 ሰባት ሕይወት ኣልቦ ኣካል ከምእተረኽበ እንክምልከት፣ ኣብ ሶሪያ ከተማ ኣለፖ ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሓዋርያዊ መስተናብር ህየንተ ብፁዕ ኣቡነ ጁዘፐ ናዛሮ ብስልኪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ በዓለ ፋሲካ ኣብ ሶሪያ ብዘይ ዓመጽን ደም ምፍሳስን ክብዕል ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ በዓለ ፋሲካ በዓለ ሕይወትን ሰላምን ተስፋን ፍቕርን እዩ። ማኅበረ ክርስትያን ሶሪያ ኣብታ ሃገር ሰላምን ምርግጋእን ከረጋግጽ ናይ ዝኽእል ተግባር መስከርቲ ኮይኖም ክርከቡ ድማ ሓደራ ቢሎም፣ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ “ብውግእ እንኸስቦ ሓደ’ኳ የልቦን፣ እኳድኣ ክስረት” ዝበልዎ ሓሳብ ዘኪሮም፣ ሰላሙ ዝስኣነ ሰብ ምርግጋእ ይስእን፣ ብዓብዩ ድማ ክብሩ የጥፍእ፣ ምእንቲ’ዚ ክብሪ ሰብ ዘይግሃስን ዳግም ዝሕሎን ዝኽበርን ክብሪ ሰብ ከም ሕዝበ እግዚኣብሔርን ውሉደ እግዚኣብሔርን ክኽበር እንከሎ ጥራሕ እዩ ሰላም ዝረጋገጽ።
ህልዉ ኩነታት ሶሪያ ውጥረት ዝተመልኦ ከምዝኾነን፣ ብፍላይ ድማ ንማኅበረ ክርስትያን ስግኣት ኮይኑ ከምዘሎ ሓቢሮም፣ ድሮ ካብ በዓለ ሆሳዕና ጀሚሩ ማኅበረ ክርስትያን ምስ ቤተ ክርስትያኑን ኣብ ቤተ ክርስትያኑን ዝነብሮ ጥልቂ መንፈሳውነት ቅዱስ ሰሙን ትብዓት ኮይኑሉ የሰንዮ ኣሎ ቢሎም፣ ኣብዚ ሰሙነ ሕማማት ኣቲ ሰላምና ዝኾነ ትንሳኤ ዘ እግዚእነ ኣብ እምነት ከጽንዓናን ኣብ ኅብረተሰብ መሰኻኽር ሓድሽ ሕይወት ኰይና ምስ እንርከብ፣ መጋበርያ ሰላም ንኸውን እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.