2012-04-03 15:23:40

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ መንእሰይ “ብዘይ ደረት ናይ ክርትስቶስ ልኡኽ” ይኹን


ዕለት 2 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 እቶም ብናይ ስፐይን ርእሰ ከተማ ማድሪድ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶኒዮ ማሪያ ሩውኮ ቫረላ ዝተሰነዩ ናይ 2011 ዓ.ም. መበል 26 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ RealAudioMP3 ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ምዕዳን ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ ብመልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቈላስይስ ምዕ. 2 ፍቕዲ 7 “ኣብ ክርስቶስ ተሰሪትኩምን ተሓኒጽኩምን…ኣብ ኣምነት ጽንዑ” ብዝብል ቃል ተሰንዩ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ማድሪድ፣ ቅዱስነቶም ኣብ ስፐይን ንኽርከቡን ስፐይን ጸጋ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስነቶም ክትዕደል ከምዝገበረን፣ እቲ ምርኻብ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ስፐይን፣ ንሃገርን ንሕይወት ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ጸጋ ኮምዝኾነ ብፁዕ ካርዲናል ሩዎኮ ቫረላ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣብ ዘስምዕዎን ናይ ቅዱስነቶም እቲ ካብ ዕለት 23 መጋቢት ክሳብ ዕለት 28 መጋቢት 2012 ዓ.ም. ኣብ መክሲኮን ኩባን ዘካየደዎ መበል 23 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት እውን ኣብ ዝዘከርሉ ዘረባ ከምዝገለጹ ክፍለጥ እንከሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ናይቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ቀንደይና ተዋሳእን ረባሕን መንእሰይ ወለዶ ምዃኑን፣ ዕለት 2 ሚያዝያ ናይቶም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዘበገሱን ዘነቓቕሑን ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ሰማያዊ ቤት ዝተወለዱሉ ሻብዓይ ዓመት ኣብ ዝዝከረሉ ዕለት ዝተኻየደ ርክብ እውን ብምዃኑ ብሓቂ እዚ ተዘክሮ’ዚ ነቲ ርክብ ዓቢይ ትርጉም ክህልዎ ከምዝገበሮ ብፁዕ ካርዲናል ሩዎኮ ቫረላ ኣመልኪቶም።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ነቶም ናይ 2011 ዓ.ም. መበል 26 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ማድሪድ ዕዉት ክኸውን ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ዘበርከቱ መንእሰያት ማድሪድ ኣመስጊኖምን፣ እቲ ናይ ማድሪድ ርክብ ሕጂ እውን ኣብ ኣእምሮኦም ህልው ምዃኑን ዝተገበረሎም እንገዳን ኣቀባብላን እቲ ናይ ትንሳኤ መግለጺ ዝኾነ ምልክታ ኣብ ገጽ መንእሰያት ዝረኣይዎን ዝተንከፍዎን ኣምነትን ሓጎስን ዘኪሮም፣ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት በቲ ካብ ህላዌ ቅዱስ መንፈስ ብዝርከብ ብርሃን ጥራሕ ክትርድኦ ዝከኣል ከምዝኾነን፣ ሕጂ እውን ንልባትና እስትንፋስ እናሃበ ከምቲ ኣብ ጴንጠቆስጠ ናይ እግዚኣብሔር እጹብ ተግባር ይምስክር ኣሎ ኢሎም፣ መንእሰይ ብዘይ ደረት ገዛእ ርእሱ ንእግዚኣብሔር ክፉት ገይሩ ኣብዚ ተግባር ምስክርነት ክተሓባበር ጽዉዕ ኢዩ እንክብሉ ከምዘተሓሳሰቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
መንእሰይ ናይ እግዚኣብሔር መንግቲ ፍቕሪ ክሓንጽን ከስፍሕን ኣብ ጎድኒ ክርስቶስ ክኸውን ይድለይ፣ እዚ ድማ ብእምነትን ትብዓትን ብወንጌል ዝምራሕ ሕይወት እናነበኩም፣ ክርስቶስ ከም ብሉጽ ዓርኪ እንተድኣ እትነብርዎ ኰይንኩም ዝከኣል እዩ። ዝኾነ ይኹን እዚ ጉዕዞ’ዚ ካብ ናይ ገዛእ ርእሲ ብቕዓትን ዓቕምን ንላዕሊ እውን እንተኾነ፣ ገዛእ ርእስኹም ከይበቐቕኩም ምእንቲ ሓጎስን ቅድስናን ተሓሲቡ ብዝወሃበኩም ጸዋዕታ ክትስዕብዎ እላበው ኢሎም። በቲ ዝማርኽ ንሕይወት ዝድርጉሕ ዓይኒ ክርስቶስ ኣንተድኣ ተጠሚትኩም ከምቲ ቅዱሳት ብርሃንን ሓይሊ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ንምስፋሕ እንነብረሉ ዓለም ንኹሉ ዘእንግድ ቤት ኩሉ ኮይኑ ክልወጥ ንዝፈጸምዎ ቅዱስ ተግባር ገዛእ ርእስኹም ክተወፍዩ ዝኾነ ይኹን መስዋዕቲ ኣይክኸብደኩምን እዩ።
ዝተፈተኹም መንሰያት፣ ከምቶም ናይታ ቀዳመይቲ ሰዓት ሓዋርያት፣ ክርስቶስ ኣብ መንጎ ብጾትኩምን ዝፈልጥኹምን ሥድራ ቤትኩምን ኣባይቲ ትምህርትኹምን ዕዮኹምን ኣብ መንጎ ድኻታትን ሕሙማንን ብዛዕባ ፍቕሩን ለውሃቱን ብዘይተሓላለኸ ሕይወትን ብዘይ ፍርሕን ከተበሥሩ ከምቲ ባዕሉ ክርስቶስ ዝኣተወልና ቃል ባዕሉ ሃይሊ ክኾነኩም እዩ። ምእንቲ’ዚ ናይ ገዛእ ርእስኹምን ናይ ካልኦት ተስፋታትን ስቓይን ከም ፍቓዱ ተቐቢልኩም ንምጉዓዝ ቅኑዕን ቀጻልን ርክብ ምስ ጎይታ ዝሓትት ሕይወት እዩ ቢሎም፣ እቶም ኣብ ዙርያና ዝርከቡ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስን ቤተ ክርስትያንን ኣብ ሕይወቶም ክራኸቡ መታን ገዛእ ርእስኹም ከይበቐቕኩም ዝከኣለኩም ኩሉ ክትገብሩ እተባብዕን እምዕድን ኢሎም።
ኣብ መደምደምታ እዚ እዋን’ዚ እዋን ቅዱስ ሰሙን ከምዝኾነ እውን ኣዘኻኺሮም፣ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ብፍላይ ድማ ናይ ዓርቢ ስቕለት ጸሎተ ፍኖተ መስቀል መንእሰያት ክርስቶስ ንዘርኢ ሰብ ዘለዎ ፍቕሪ፣ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ስለ ዝኾነን ንዘርኢ ሰብ ክኹንን ዘይኮነስ ንኸድሕኖን ትርጉም ምልኣት ዘለዎ ሕይወት መታን ክዕድሎ ሓደ ወዱ ከምዝለኣኸ ብዑምቐት መታን ንምርዳእ ክበቕዑ ኣብቲ ናይ ክርስቶስ ናይ ምድሓን መደብ ክሓብሩ ናይ ዓለም ስቓይን ሓጢኣትን ናይ ገዛእ ርእሶም ገይሮም ከቕርቡ ኣገንዚቦም፣ ናብቲ ኣብ 2013 ዓ.ም. ኣብ ሪዮ ደ ጃነይሮ ንኽካየድ ዝወሰንዎ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ጠመተኦም ኣንቢሮም፣ እታ መዓልቲ እቲኣ ናይታ ወትሩ ብመንእሰያት መንእሰይ ዝኾነት ብናይ ትንሳኤ ክርስቶስ ሓዳሽን ሕጉስትን ቤተ ክርስትያን ጉዕዞ ዓንዲ ስለ ዝኾነ ኣድማሳ ብሃብቲ ወንጌል ናብ መንእሰይ ወለዶ ተስፍሕ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.