2012-04-03 15:25:20

መደብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ሪዮ ደ ጃነይሮ 2013 ዓ.ም.


“እምበኣር ኪዱ እሞ…ንኹሎም ኣሕዛብ…ደቀ መዛሙርተይ ግበርዎም” (ማቴ. 28፤19) ብዝብል ቃለ ወንጌል ተመሪሑ ኣብ ሪዮ ደ ጃነይሮ ካብ ዕለት 23 ሓምለ ክሳብ ዕለት 28 ሓምለ 2013 ዓ.ም. ናይ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት መደብ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ RealAudioMP3 ማኅተምን ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብወግዒ መግለጺ ከምእተውሃበሉ ክሕበር እንከሎ፣ እቲ መደብ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ስታኒስላው ርይልኮን ኣብ ብራዚል ናይ ሪዮ ደ ጃይነሮ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኦራኒ ዥዋው ተምፐስታን ናይ ብራዚል ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ መንእሰያት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ድርገት ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ኤድዋርዶ ፒኘይሮ ዳ ሲልቫ ብሓባር ከምዘላለዩ እንክፍለጥ፣ ነቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝኸፈቱ ብፁዕ ካርዲናል ርይልኮ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ድሕሪ 26 ዓመት ተመክሮ ናብ ክፍሊ ዓለም ላቲን ኣመሪካ ክጓዓዝ ምግባር መንእሰይ ኣብ ናይ መንእሰያት ሓልዮ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዓቢ ግደ ከምዘለዎን፣ እምነት መንእሰያት ዓለም ኣብ ሱታፌ ተልእኮ ወንጌል ዘዕብይ ክኸውን ዝብል ሸቶ ዝገበረ ከምዝኾነ ክዝምዝሓበሩ ነቲ መደብ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣመልኪቶም።
“እምበኣር ኪዱ እሞ…ንኹሎም ኣሕዛብ…ደቀ መዛሙርተይ ግበርዎም” (ማቴ. 28፤19) ብዝብል ቃለ ወንጌል ዝምራሕ መበል 27 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት እቲ ኣብ 2007 ዓ.ም. ኣብ ብራዚል ከተማ ኣፓረሲዳ ዝተኻየደ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካራይብን ብፁዓን ጳጳሳት ሓፈሻዉ ሓምሻይ ጉባኤ ቀዳምነት ዝሃበሉ ንሱ ድማ ተልእኾ ኣብታ ክፍለ ዓለም ዝሕብር መደብ ዝኽተል ከምዝኾነን፣ መንእሰያት ኣብ ተልእኾ ዘሳትፎም እምነቶም ክዕብዩ ዘተባብዕ ምዃኑ ኣብቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዘረባ ዘስምዑ ናይ ሪዮ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኦራኒ ዥዋዎ ተምፐስታ ከምዘመልከቱ ክፍለጥ እንከሎ፣ ከምቲ ናይ ኮርኮቫዶ ኣእዳዉ ዝዘርግሔ ሓወልቲ መድኃኔ ኣለም፣ እቲ መዓልቲ መንእሰያት ሪዮ ደ ጃነይሮ ንኹሉ ከእንግድ ኣእዳዊ ዝዝረግሔ እዩ ቢሎም፣ ድሕሪ እቲ ኣብ ቦኖሳይረስ ቅድሚ 25 ዓመት ንፈለማ ግዜ ኣብ ክፍሊ ዓለም ላቲን ኣመሪካ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ቀጺሉ ብሪዮ ደ ጃይነሮ ኣቢሊ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ንኻልኣይ ጊዜ ዝካየድ ከምዝኾነ ዝዘከሩ ብፁዕ ካርዲናል ርይልኮ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ እቶም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዘነቓቕሑ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎሳ ዳግማዊ ኣብ ሰማያዊ ቤት ዘተወለዱሉ ዕለት 2 ሚያዝያ ዝቐርበ ጋዜጣዊ መግለጺ ብምዃኑ ድማ ብሓቂ ድርብ ሓጎስ ይስመዓና ከምዝበሉ ተገሊጹ።
ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት መንእሰይ ወለዶ ብስልጣናዊ መርሕነትን ኣስተምህሮን ምዕዳንን ስብከታትን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 መሠረት ኣብ እምነት ክዓቢ ዝተባብዓሉ ዝድገፈሉን እዋን ከምዝኾነ ዝገለጹ ብፁዕ ካርዲናል ርይልኮ ኣስዒቦም እቲ በቢ ዓመቱ ብሓልዮት ኵላዊት ቤተ ክርስያን ዝብዕል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝጠቓለል ዘይኮነስ ነጋዳይ ባህርይ ዘለዎን ካብቲ ዝተኻየደ ቀጺሉ ናብቲ ንኽካየድ ዝውሰን ዘሰንይ ዝተኻየደን ኣቲ ንኽካየድ ዝውስንን ዝተሓሕዝ መደብ መንፈሳዊ ንግደት እዩ። ስለዚህ ክርስትያን ወንጌላዊ ሕይወት ብምልኣት ክንበርን ብሓጎስ ክምስከርን ዝሓንጽ ከምዝኾነ ድማ ኣረዲኦም።
ናይ ብራዚል ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ መንእሰያት ሓልዮ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ድርገት ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ፒኘይሮ ዳ ሲልቫ ብወገኖም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ እቲ መደብ ኣብ ብራዚልን ብሓፈሻኡ ኣብ ላቲን ኣመሪካን ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዓቢ ብድሆ እውን እንተመሰለ እግዚኣብሔር ንቤተ ክርስትያን ዝሃቦ ጸጋ እዩ። ብራዚል 276 ሰበኻታት 460 ብፁዓን ጳጳሳትን 22 ሺሕ ካህናት ዘለውዋ ዓባይ ሃገር ምዃና ኣዘኻኺሮም፣ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ምቅርራብ ክሳብ ክንደይ ዓቢይን ሰፊሕን ምዃኑ ንምርዳኡ ዘጸግም ኣይኮነን ኢሎም።
ኣብ መደምደምታ ብፁዕ ካርዲናል ርይልኮ ነቲ ናይ ብራዚል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዝምልከት ሓበሬታን ዝወሃቡ መግለጽታት ንምክትታል ናይ መርበብ ሓበሬታ ኣድራሻኡ ድሮ 600 ሺሕ ኣባላት ዘመዝገበ፣ ዳብሊ ዳልብሊ ዳብሌው ሪዮ2013 ነጥቢ ኮም www. Rio2013.com ዝብልን ምዃኑ ኣዘካኺሮም፣ ኣብ ክፍሊ ዓለም ኣፍሪቃ መዓስ ኮን ይካይድ ንዝብል ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ ብፁዕነቶም እንክምልሱ፣ ኣፍሪቃ መደብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ከተእንግድ ብቕዕቲ ብመንሰያ ወለዶ ሃብታም ክፍለ ዓለም እውን ከምዝኾነት ገሊጾም፣ ግዚኡ ከምዝበጽሔ እምነትና እዩ። ስለዚህ ነዚ መደብ’ዚ ንምርግጋጽ ኣብ ሸቶ ንምብጻሕ ዘጋጥሙ ብድሆታት ብሓይሊ እምነት ንምስናፍ ስንድዋት ኢና እንክብሉ ከምዝመለሱ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማኅተምን መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.