2012-03-30 09:47:19

ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ፦ ንዳግማይ ልደት ቤተ ክርስትያን ኣብ ኩባ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብቲ ናይ ኩባ መደብ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ምስታ ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ራውል ካስትሮ ዕለት 27 መጋቢት 2012 ዓ.ም. ኣብ ዘካየደዎ ክሌኣዊ ርክብ፣ ዓርቢ ስቕለት ኣብ ኩባ ከም በዓል ኮይኑ ክሕሰብ ማለት ምእመናን ናብቲ በዓለ ትንሣኤ ዘእግዚእነ RealAudioMP3 ብጥልቂ መንፈሳውነት ክስነየሉ ኣብ ዘብቅዖም ሥርዓት ሊጡርጊያ ምሉእ ብምሉ ንምስታፍ መታን ዕድል ክረኽቡ እታ ዕለት ከም ተራ መዓልቲ ከይትሕሰብ እንክብሉ ከምዝሓተቱ ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣመልኪቶም ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃቡ ኣብቲ ሓዋርያዊ ዑደት ንቕድስነቶም ዘሰነዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማኅተምን ሓላፊ ናይ ራዲዮ ቫቲካን ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ሓቢሮም፣ እቲ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ጉዳያት ኩባን ኣብ ኩና እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ዝምልከቱ ኣርእስታት ዝዘተየን ናይ ሓሳብ ልውውጥ ዝተገብረሉ ከምዝኾነን ገሊጾም፣ ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ርክብ ምንባሩ እውን ሓቢሮም፣ ምስቲ ኣብ 1998 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እብቲ እዋን ናይ ኩባ ርእሰ ብሔር ምስ ዝነበሩ ፊደል ካስትሮ ዘካየድዎ ዓሚዩቕን ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ክሌኣዊ ርክብ ዝመሳሰል ምዃኑ ዘኪሮም፣ ናይቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16ን ርእሰ ብሔር ራውል ካስትሮን ናይ ዝተኻየደ ርክብ ውድዓዊ ትሕዝቶታቱ ብወግዒ ክግለጽ ዝከኣል ምዃኑ ሓቢሮም፣ እቲ ክሌኣዊ ርክብ ልባውን ርጉእን ንጹርን ከምዝነበረ ገሊጾም።
ካብቲ ትሕዝቶ ዝርርባቶም ንኣብነት ብዛዕባ እዋናዊ ሕይወት ኩባውያን፣ ኩነት ሃገረ ኩባን፣ ሕይወት ቤተ ክርስትያን ኣብ ኩባን፣ ብዛዕባ ቅዱስ ሥፍራ ቅድስቲ ፍቅርተ ማርያም ዘ ኮብረን ብፍላይ ድማ ኣብዚ መበል 400 ዓመት በዓል ሱታፌ ህዝብን፣ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ በዓለ ልደት ብብሔራዊ ሓቆፍ ክበዓልን መንግሥቲ ኩባ ፍቓድ ክህበሉ ኣብቲ እዋን ርእሰ ብሔር ንዝነበሩ ፊደል ካስትሮ ዘቕረብዎ ሕቶ፣ እወታዊ መልሲ ዝረኸበን ብተመሳሳሊ መልክዕ እውን ቅዱስነቶም ዓርቢ ስቕለት ብብሔራዊ ደረጃ ክኽበር ከምዝሓተቱ ኣባ ሎምባርዲ ገሊጾም፣ እቲ ርክብ ብዙሓት ዓበይቲ ኣርእስታት ዘጠቓለለን ዓሚዩቕ ትሕዝቶ ዘለዎን ክነሱ ናይ ዓለም ሓቆፍ መራኸቢ ብዙሓን ርክብ ምስ ፊደስል ካስትሮ ወይ ከኣ ምስቶም ንሕክምና ኣብ ኩባ ዝመላለሱ ምስ ዘለዉ ናይ ቨነዝዋላ ርእሰ ብሔር ኡጎ ቻቨዝን ክራኸቡ ዶ ይዀኑ እናበላ ኣብዚ ደጋዊ ጉዳይ ጥራሕ ከተኩራ ምርኣዩ ከየገረመ ኣይተረፈን ቢሎም፣ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንርእሰ ብሔር ቻቨዝ ምሉዕ ጥዕና ተመንዮም፣ ኣቲ ኣብ ኩባ ዝተፈጸመ ሓዋርያዊ ዑደት ንቤተ ክርስትያን ኣብ ኩባ ዘተባብዕን ግቡእ ሥፍራኣ ክትረክብ ዝድግፍን እምነት ሕዝቢ ዘበራብረን ከምዝኾነ ሓቢሮም፣ ናይቲ ሓዋርያዊ ዑደት መንፈሳዊ ኩርናዓቱ ዓሚዩቕን ሰፊሕን እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.