2012-03-30 09:45:36

ቅዱስ ኣቦና፦ “ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ቅድስቲ ፍቅርተ ማርያም ዘ ኮብረ፣ ክርስቲያናዊ ልቢ ኩባ እዩ”።


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ መክሲኮን ኩባን ካብ ዕለት 23 መጋቢት ክሳብ ዕለት 29 መጋቢት 2012 ዓ.ም. ዘካየድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ከምዝተፈጸመ እንክንገር፦ ቅዱስነቶም ኣብ ኩባ ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ከም ኩሉ ኩባዊ መንፈሳዊ ነጋዲ ኮይኖም ኣብታ ካብ እትርከብ RealAudioMP3 መበል 400 ዓመታ ተብዕል ዘላ ናይ ኩባ ሓላዊት ቅድስቲ ፍቅርተ ማርያም ዘ ኮብረ ንእሽተይ ሓወልቲ ተሳቲፎም ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብቲ ቅዱስ ማርያማዊ ሥፍራ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ሥልጣናዊ ስብከት፣ እቲ ማርያማዊ ቅዱስ ሥፍራ ቅድስቲ ፍቅርተ ማርያም ዘ ኮብረ ክርስትያናዊ ልቢ ኩባ ቢሎም ከምዝሰመይዎ ተገሊጹ።
እታ ብሰለስተ ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ዜጋታት ኵባ ብንሽተይ ጀልባ ኣብ ስሜናዊ ምብራቕ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ማየ ባሕሪ ኒፐ ባይ እተሰምየ ፉርዳ ካብ እትርከብ መበል 400 ዓመት ዝበዓል ዘሎ ሕጻን ኢየሱስ ዝተሓቝፈት “ኣነ ፍቅርተ ድንግል እየ” ዝብል ጽሑፍ ዝተነብራ ንሽተይ ሓወልቲ ኣብ ባሕሪ እንከላ ብተኣምር በቲ ማየ ባሕሪ ዘይጠልቀየት ኮይና ምርካቦም ኣዚዩ ከደንቕን፣ ዝናኣ ገኒኑ ኣብቲ ከባቢ ተሰሚዑን ኩሉ ብኣማላድነታ ክምህለል ከምዝጀምረን ኣብ 1648 ዓ.ም. ነታ ቅድስቲ ሓወልቲ ማርያም ዘእንግድ ማርያማዊ ሥፍራ ንሽተይ ብሑት ሥፍራ ከምዝቖመን፣ ኣብ 1800 ዓመታት ንብቑዕ ናይ ምእመናንን ነጋድያንን እንገዳ ተሓሲቡ ናብ ማርያማዊ ቅዱስ ሥፍራ ክብ ቢሉ ተሓኒጹን፣ ኣብ 1906 ዓ.ም. ብሓደጋ ባርዕ ኣብቲ ከባቢ ብዝርከብ መዐደኒ ነሃሲ ዓንዩ እቲ ክሳብ ሎሚ ዝበጽሔን ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ መበል 23 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደቶም ንግደት ዝፈጸምሉ፣ ኣብ 1927 ዓ.ም. ሓድሽ ቅዱስ ሥፍራ ዘተሓንጸ ከምዝኾነ ይንገር፣ ኣብ 1977 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ንኡስ ባዚሊካ ተባሂሉ ክጽዋዕ ከምዝኣወጁ ክዝከር እንከሎ፣ ኣብ 1998 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ኩባ ሓዋርያዊ ዑደት ፈጺሞም ነታ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንግሥተ ሃገረ ኩባ ቢሎም ከምዝገለጽዋ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።
እታ ፍቅርተ ማርያም ዘ ኮብረ፣ ኩባ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ስፐይ ክትላቐቕ ብዝተቓልሰ ናይ ነጻነት ግንባር ማምቢሰስ ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ሓይሊ ስም ብድላይ ሕዝቢ “ቪርኸን ደ ማምቢሳ-ድንግል ዘ ማምቢሳ” ብዝብል መጸውዒ እውን ክትልለይ ከምዝጀመረት እንክሕበር፣ ካብ ውሽጥን ወጻእን ነጋድያም ምእመናን ዝውሕዝሉ ቅዱስ ሥፍራ ኮይኑ ብዙሓት በጻሕቲ ብኣማላድነታ እግዚኣብሔር ንዝዓደሎም ጸጋ ናይ ምስጋና ህያባት እውን ከምዝንበረሉ ይፍለጥ።








All the contents on this site are copyrighted ©.