2012-03-24 15:07:31

ናይ ቅድስቲ መንበር ርእሰ ዓንቀጽ
ልዑልን ውዕዉዕን ኣቀባብላ መክሲኮ ንቕዱስ ኣቦና


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ መክሲኮ ምስ ኣተዉ ዝተገበረሎም ውዕዉዕን ልባውን ብሉጽን ኣቀባብላ ሕዝቢ መክሲኮ ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘለዎ ፍቕሪ ዘረጋግጽ ኩነት RealAudioMP3 ከምዝኾነ ኣባ ሎምባርዲ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ኣብ ዘቕርብዎ ናይ ቅድስቲ መንብር ርእሰ ዓንቀጽ ጠቒሶም፣ እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዝተቐበለ ዜጋ መክሲኮ ዝተራእየ ፍሽኽታ፣ ሕይወትና ከነፍቅርን ብሓጎስ ክንጥምታን ዘተባብዕ ጩራ ብርሃን ከመዝኾነ ገሊጾም፣ ቃላት ዘይብሉ ብፍሽኽታ ዝተገልጸ ኣብ መንጎ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ሕዝብን ዘሎ ርክብ ዝገልጽ ከምዝነበረን፣ እቲ ሕዝቢ ደኺመ ከይበለ ደድሕሪ ቅዱስ ኣቦና እናሰዓበ ከሰንዮም ዘርአዩ ዘሎ ሱታፌ ቤተ ክርስትያን ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ ዝገለጽ እዩ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቤኒን ኣብ ዝፈጸምዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ሕዝቢ ቤኒን ዘቕረበሎም ፍሉይ ምዉዕቅ ኣቀባብላ እቲ ሕዝቢ ዋላ’ኳ እብረ ዝተፈላለዩ ጸገማት እንተኾነ ፍቕርን ሓጎስን ዝገልጽ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቕ ዘይብል ድላይ ሕይወትን ሰናይ ሕይወትን ዘጉልሕ ኣቀባብላ እዩ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ዝገለጽዎ ሓሳብ ኣባ ሎምባርዲ ዘኪሮም፣ ኣብ መሬት ላቲን ኣመሪካ፣ ሃገረ መክሲኮ ኣብ ዝተገብረሎም ኣቀባብላ ዝተቓልሔ ኢዩ ኔሩ ኢሎም።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በምዛሕቲኡ ኣዋን ብዛዕባ እምነት ክርስትና ክዛረቡ ክርስትያናዊ ሓጎስ ዝብል ቃል ክደግሙ ንሰምዕ፣ መሠረት ናይ’ዚ ሓጎስ’ዚ ድማ ኣብቲ ንሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ክርስቶስ ዘሎ ብማንም ካብ ልቢ ኣምንያን ዘይምዛዕ፣ እምነት ምዃኑ ዘነጽር ኣገላልጻ እዩ እንክብሉ ዘቕረብዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ርእሰ ዓንቀጽ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.