2012-03-24 15:05:02

መበል 23 ዓለም ለኻዊ ሐዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና ናብ መክሲኮን ኵባን
ርእይቶ ናይ ቅድስቲ መንበር ምኽትል ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኣንጀሎ በቺዩ


ካብ 2009 ዓ.ም. ክሳብ 2011 ዓ.ም. ኣብ ኵባ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ኮይኖም ዘገልገሉ ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ቅድስቲ መንበር ምኽትል ዋና ጸሓፊ ንቕዱስ ኣቦና ኣብዚ መበል 23 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ዘሰንዩዎም ዘለዉ ብፁዕ ኣቡነ ኣንጀሎ በቺዩ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ RealAudioMP3 ኵባን ዘሎ ርክብ፣ ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኵባ ኣብ መግኖ እዘን ክልተ ሃገራት ዘሎ ርክብ ዘረጋግጾ ዘሎ ምዕባለ ዝምስክር ድዩ ንዝብል ሕቶ ኣደጊፎን ምስ መደበር ቴለቪዥን ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ብርግጽ እቲ ከይተኾልፈ ዝቅጽል ዘሎ ቅድሚ ክልተ ዓመት መበል 75 ዓመቱ ዘብዓለ፣ ኣብ መንጎ ሃገረ ኩባን ኵላዊት ቤተ ክርስትያንን ዘሎ ርክብ፣ ቤተ ክርስትያን ኣብ ሃገረ ኩባ ግብረ ተልእኾኣ እትፍጽመሉ ግቡእ ቦታኣ ክትረክብ ከይተሓለለት ስለ ዝጸዓረት፣ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክህነት ተሓጺራ ክትነብር ካብ ዘገደዳ ኵነት ተላቒቓ ብወግዒ ኣብ ትምህርተ ክርስቶስን ግብረ ሰናይን ተግባራት ክትዋሳእ ከምዝኸኣለትን፣ እዚ ዅሉ ምዕባለ’ዚ ዝዓተረት እያ። ስለዚህ እቲ ርክብ ጸገማት ዘየጓነፎ እወታውን ኣዕጋብን እዩ። በዚ ተግባር’ዚ ነቶም ካብእ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ርሒቖም ንዝነበሩ ንቶም ዘይፈልጥዋ እውን ንኽትማርኽ በቒዓ እያ። እቲ ርክብ ኩባን ቅድስቲ መንበርን ንናይ ኵባ ሕዝቢ ሓባራዊ ጥቕሚ ዝኣመተ ብምዃኑ ቅንዕና ዝዓሰሎ እዩ።
እዚ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኵባ ዝፍጽምዎ ሓዋርያዊ ዑደት ከምቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንናይ ኵባ ማሕበራዊ ሕይወት ዝትንክፍን ዝልውጥን ጥራሕ ዘይኮነስ ሕጂ እውን ኣብ ውሑዳት ናይ ፖለቲካ ኣካላት ዝርአይ እውን እንተኾነ፣ ኣብ መብዛሕቲኦም ናይ ኩባ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ኣብ ልዕሊ ካቶሊካውያን ካብ ዝነበሮም ዘይግዱስ ኣረኣእያ ክላቐቑ ገይሩ እዩ። ነዚ እውን ቀጥተይና ምስክር ከምዝኾኑ ዘኪሮም፣ ኣገልግሎት ቤተ ክርስትያን ንናይ ማሕበራዊ ጥቕሚ ምዃኑ እቶም ንቤተ ክርስትያን ዘይቅበልዋ ዝነበሩ ከይተረፉ ብተግባር ክርድእዎ ክኢሎም እዮም፣ ዝፈልጥዎ ሓቂ እውን እዩ።
ናይ ኵባ ርእሰ ከተማ ሃቫና ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኦርተጋ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያትን ሕቶታትን ኵባ ክሽምግሉን ከተዓርቑን ብዝቐርበሎም ሕቶ ዘዕተርዎ ውጽኢታት ቤተ ክርስትያን ኣብ ኵባ ዘለዋ ተቐባልነት ክብ ክብል ገይርዎ እውን እዩ። ርኣዩለይን ስምዑለይን ዘይብል ንናይ ሕዝቢ ኵባ ማኅበራዊ ጥቕሚ ኣሚታ ቤተ ክርስትያን እትህቦ ኣገልግሎት ካብ ወንጌል ብዝምንጭ ሓይሊ ዝተደረኸ ብምዃኑ ብሓቂ ዝነኣድ እዩ። በቲ ኣብ 2008 ዓ.ም. ኣብ ኩባ ተኸሲቱ ብዝነበረ ብርቱዕ ህቦብላ ንዝተጎድአ ሕዝቢ ንምድጋፍ ቤተ ክርስትያን ዝፈጸመቶ ግብረ ሰናይ ኣብነት እዩ። መንግሥቲ ኵባ ዘድነቖ ተግባር እውን ኮይኑን ኣብ መንጎ ቤተ ክርስትያንን መንግሥቲ ኵባን ንዝነበረ ርክብ ኣበርቲዕዎ እዩ። ቤተ ክርስትያን ተደናቕነታን ሓይላን ወንጌል እዩ።
እታ ካብ እትርከብ መበል 400 ዓመታ ዝበዓለላ ሓወልቲ ናይ ፍቕሪ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘ ኮብረ ሓላዊት ቅድስቲ ኩባ፣ ብኣማንያን ጥራሕ ዘይኮነስ ብኢኣማንያን እውን እትኽበር ኣደ ኵሉ ሕዝቢ ኩባ እያ። እዚ ብቐረበ ዝተዓዘበዎ መንፈሳውነት ምዃኑ ዘኪሮም፣ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ሓዋርያዊ ዑደቶም ናይ ፍቕሪ ሓዋርያዊ ዑደት ኮይኑ ኣብዚ ርኽበት መበል 400 ዓመት ሓወልቲ እኖ ናይ ፍቕሪ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘ ኮብረ በዓል ዝሳተፍን ዝመርሕን እዩ። እዚ ኩነት’ዚ ድማ ፍቓድ ኣምላኽ እትፍጽም ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ዝምስክር እዩ።
እምነት ኣብ ሕይወት ላቲን ኣመሪካ ክህልዎ ዝግብኦ ተራ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 12 ታሕሳስ 2011 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ሥልጣናዊ ስብከት ገሊጸምዎ እዮም። ኣብ ውኅደት ላቲን ኣመሪካን እታ ክፍሊ ዓለም ኣብ ዓለም ዘለዋ ተራ ኣድማዕነት ክህልዎ ዝድርኽ ጸጋ ምዃኑ ተንቲነምዎ እዮም፣ ቅዱስነቶም ከም ትኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሕዝቢ ኣብ እምነት ምጽናዕ ስለ ዝኾነ ነቶም ካቶሊካውያን ኣብ እምነቶም ዘጽንዕን እቶም ካብ ቤተ ክርስትያን ዝረሓቑ ዳግም ናብ ቤተይ ንኽብሉ ዘተባብዕን ሓዋርያዊ ዑደት እዩ ቢሎም፣ ሕዝቢ ኣብታ ሓቀይና ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቤተ ክርስትያን ክነብር ዝድግፍ ቃል ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝቃልሓሉ ሓዋርያዊ ዑደት እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.