2012-03-22 14:03:30

ዓውደ መጽናዕቲ Cortile dei Gentili -ደንበ አህዛብ ኣብ ፓሌርሞ


ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣብ መንጎ ኣማንያንን ኢኣማንያንን ኣብ ናይ እዋናዊ ዓበይቲ ጉዳያት ዓለም ዘማእከለ ናይ ሓባር ዘተ ንኽካየድ ኣሚቱ “Cortile dei Gentili -ደንበ አህዛብ” ብዝብል ስም ዘላለዮ ኣብ ቦሎኛን ፓሪስን ቡካሬስትን ፊረንዘን ሮማን ኣብ ቲራና ድሕሪ መክያዱ ቀጺሉ RealAudioMP3 ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ፓሌርሞ ካብ ዕለት 29 መጋቢት ክሳብ ዕለት 30 መጋቢት 2012 ዓ.ም. “ባህሊ ሕጋውነትን ኅብረሃይማኖታዊ ኅብረተሰን” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝካየድ ዓወደ መጽናዕቲ ከምዘዳለወ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ካብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ክፍለጥ እንከሎ፣ ኣብዚ ንኽካየድ ተዳልዩ ዘሎ ዓወደ መጽናዕቲ “ደንበ ሕጻናት’ ብዝብል መደብ ናይ ሲቺሊያ ሕጻናት ቆልዑ ነቶም ኣብቲ መደብ ደንበ ኣሕዛብ ኣስተምህሮ ዘቕርቡ ሊቃውንቲ ሕቶ ብምቕራብ ከሳትፉ ምዃኖም ተሓቢሩ።
ብዛዕባ እዚ ዝተዳለወ መደብ ኣመልኪተን ናይቲ “ደንበ ሕጻናት” ጉዳይ ኣመሓዳሪት ፓትሪዚያ ማርቲነዝ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርኦ ቃለ ምልልስ፣ ሕጻናት ቆልዑ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ኣሕዛብ ዝግበር ዘተ ዘለዎም ርእይቶ ንምርዳእን፣ ነቲ በቲ እዅል ክፍሊ ሕብረተሰብ ኩለ መዳያዊ ቅርጺ ዝሕዝ ዓለም ከመይ ከምዝርእይዎን ከምዝሓስብዎን ዘነጽር ሱታፌ ከምዝኾነ ሓቢረን፣ ሕጻናት እቲ እኹል ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝዝትየሎም ዝመራመረሎም ዓበይቲ ናይ ኅላዌ ሕቶታት ብኸመይ ከምዝምልከትዎን ብመንጽር ኣእምሮ ሕጻን ዝህቡሉ መልሲ ምፍላጥ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚህ እቲ ናይቶም ሕጻናት ኣብዚ ዓወደ መጽናዕቲ ምስታፍ ሕጻን ዘይንጡፍ ክፍሊ ኅብረተሰብ ጌርካ ካም ምሕሳብ ከአይዲ ክንላቐቕ ዝድርኸናን እዩ ኢለን።
ዕለት 25 መጋቢት 2011 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣብ ፓሪስ ካቴድራል ኖትረ ዳመ ኣደባባይ ንተሳተፍቲ ዓወደ መጽናዕቲ ፓሪስ ደንበ ኣሕዛብ ኣብ ዝተሓላለፍዎ ናይ ድምጽን ርእየትን መልእኽቲ ሕጻናት ኣብ መንግኦም ናይ መራኸቢ ድልድል ክሓንጹን ዝሃብዎ ምዕዳን ዘድምዕ መደብ እውን ኢዩ። እቶም ተሳተፍቲ ሕጻናት ነዚ እነንብረሉ ዘሎና ዓለም ከመይ ከምዘንብብዎን እቲ እዅል ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘረክቦም ዓለም እንታይ ከምዝመስል ብስእሊ ዝተደገፈ መረዳእታ ክህብሉ ከምዝኾነ ገሊጸን፣ ብቓልን ብናይ ኢድ ስእሊ ዝተደገፈ ሓሳብ ከቕርቡ ኢዮም ኢለን።
እዚ ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘዳልዎ መደብ ደንበ ኣሕዛብ ዳብሊው ዳብሊው ዳብሊው ኮርቲለደይጀንቲሊ ነጥቢ ኮም ብዝብል ኣድራሻ ምክትታል ከምዝከኣል እውን በዚ ኣጋጣሚ ኣዘኻኺረን፣ እቲ ኣብ መንጎ ሕጻናት ዝርአይ ርክብን ዘተን ግምት ምሃብ ኣገዳሲ ምዃኑን ነቲ እዅል ክፍሊ ኅብረተሰብ ኣብነት እውን እዩ እንክብላ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ዝገበርኦ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ኣጠቓሊለን።








All the contents on this site are copyrighted ©.