2012-03-22 14:12:39

ኤል ሳልቫዶር፦ ዝኽሪ መስዋእቲ ብፁዕ ኣቡነ ሮመሮ


እቲ በቢ ዓመቱ ኣብ ኤል ሳልቫዶር ካቴድራል ዝዝከር መስዋዕቲ ብፁዕ ኣቡነ ኦስካር ኣርኑልፎ ሮመሮ ለምዘበን ንመበል 32 ዓመት ዝኽሪ ዝቐርብ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ እታ ካቴድራል RealAudioMP3 በቶም ኣብ ናይ ኤልሳልቫዶር ውግእ ዝተሳተፉ ገዳይም ወትሃደራት እቲ ወዲቖምሉ ዘለዉ ኩነት ቆላሕታ መንግሥቲ ክረክብ ብዝብል ዕላማ ስለ ዝተኸበት ከምቲ ልሙድ ኣብቲ ዝፍጸመሉ ካቴድራል ዘይኮነስ፣ ኣብ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ሮዛሪየም ክቐርብ ምዃኑ ናይ ማኅበር ሮመሮ ወኪል ብፁዕ ኣቡነ ሪካርዶ ዩሪዮስተ ዝሃብዎ መግለጺ ዝጠቐሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
እቲ ዘሕዝን፣ ንዝኽሪ መስዋዕቲ ብፁዕ ኣቡነ ሮመሮ ዝፍጸም መስዋዕተ ቅዳሴን ዝካየዱ ባህላዊ መደባትን ዓውደ መጽናዕትታት ኣብታ መስዋዕትነት ዝተቐበሉላን ዓጽሞም ዝዓረፈላ ካቴድራል ዘይፍጸም ብምዃኑ ኣዚዩ ከምዘሕዘኖምን እቶም ገዳይም ወትሃደራት ዝፈጸምዎ ዘለዎ ወረራ ካቴድራል ጸረ እምነት እዩ።
ንጡፍ ኣባል ማኅበር ሮመሮ ኦዲን ማርቲነዝ እቲ ንመበል 32 ዓመት ዝኽሪ መስዋዕቲ ብፁዕ ኣቡነ ሮመሮ ዝተዳለወ መንፈሳውን ባህላውን መደባት ዕለት 19 መጋቢት 2012 ዓ.ም. ሕይወት ታሪኽ ብፁዕ ኣቡነ ሮመሮ በዘዘንትው ናይ ርእየትን ድምጽን ምርኢት ዝተጀመረ ኮይኑ እቶም ነታ ካቴድራል ከቢቦምዋ ዘለዉ ገዳይም ወተሃደራት ጉዳዮም ካብ መንግሥቲ መልሲ ክሳብ ዘይተውሃቦ ካብታ ካቴድራል ነቕ ከምዘይብሉ ስለ ዝገለጹ እቲ መደብ ኩሉ ኣብታ ካቴድራል ንኸይፍጸም ከምዝገደደን ገሊጾም፣ ብፁዕ ኣቡነ ሮመሮ ናይቶም ድምጺ ዘይብሎም ድምጺ ዝኾኑ ወዲ ቤተ ክርስትያን ዕለት 24 መጋቢት 1980 ዓ.ም. ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐብሉላ ዕለት ምኽንያት ድሕሪ ጽባሕ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ናይ ኤል ሳልቫዶር ርእሰ ከተማ ሰሜናዊ ምብራቕ ክፍሊ ኣብ እትርከብ ጸሎት ቤት ክቐርብ ከምዝኾነን ቀጺሉ ኣብ ናይ ሳልቫዶር ኣደባባይ መለኮታዊ መድኃኔ ዓለም ብባህላውን ስእላውን ምርኢት ተሰይኑ ክቐርብ ምዃኑ ከምዝሓበሩ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዕለት 24 መጋቢት ብሔራዊ መዓልቲ መስዋዕቲ ብፁዕ ኣቡነ ኦስካር ኣርኑልፎ ሮመሮ ጋልዳመዝ ዝዝከረላ ዕለት ኣብ ዓወደ ኣዋርሕ ኤልሳልቫዶር ሃገራዊ መዓልቲ ዕረፍቲ ከምዝኾነን ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.