2012-03-20 14:05:35

ልውጥጥ ናይ ሰላምታን ናይ ጽቡቕ ምንዮትን መግለጺ መልእኽቲ


ናይ ኢጣሊያ መራሔ መንግሥቲ ማሪዮ ሞንቲ ትማሊ ብላቲን ሥርዓት ዝበዓለ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ዮሴፍ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ቅዱስ ስሞም መዓልቲ ብምዃኑ ብስሊኪ ተራኺቦም ዕንቋዕ ሓጎሰኩም ዝብል ናይ ሰናይ ምንዮት መግለጺ መልእኽቲ ከምዘቕረብሎም ዝሓበረ RealAudioMP3 ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማኅተም መግለጺ ቀጺሉ፣ ቅዱስ ኣቦና ብተራኦም መራሔ መንግሥቲ ማሪዮ ሞንቲ ነዘብዕልዎ መበል 69 ዓመት ትውልዲ ዘኪሮም ናይ እንቋዕ ነዚ ኩብር ዕለት ኣብቅዓኩም ዝብል ናይ ሰላምታን ጽቡቕ ምንዮትን መግለጺ መልእኽቲ ከምዘቕረብሎም ኣመልኪቱ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ትማሊ ኣብ መላእ ናይ ላቲን ሥርዓት እትኸተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዝበዓለ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ዮሴፍ፣ ናይ ራዲዮ ቫቲካን ዋና ኣመሓዳርን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማኅተምን ሓላፊ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ብስም ኩሎም ሰራሕተይናታትን ጋዜጠይናታትን ራዲዮ ቫቲካን፣ ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ቅዱስ ስም በዓሎም ምኽንያት ናይ እንቋዕ ሓጎሰኩም መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉሎም እንክምልክት፣ ኣባ ሎምባርዲ ቅዱስ ዮሰፍ ናይታ ቅድስቲ ቤተ ሰብ ኣመሓዳሪ ማለት ኣገልጋልን፣ ብዘይ ምውናን ናይ ዘፍቅር እውነተይና ፍቕሪ ኣብነትን፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ዓቢይ ቅዱስ ምሥጢር ኅላዌ ብኸመይ ኣገባብን ጠባይን ክንበር ከምዘለዎ ኣብነትን፣ ኣብ ሕይወቱ እምነትን ተግባርን ዝተጣመሩ ኮይኖም፣ መላእ ሕይወቱ ምስ ቃል ኣምላኽ እናተኻኸለ ዝነበረ ምዃኑ ገሊጾም፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዕለት 18 መጋቢት 2009 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ ያውንደ ቀዳማይ ጸሎተ ሰርክ መሪሖም፣ ንቅዱስ ዮሴፍ ዘለዎም ኣኽብሮትን፣ ናይ ትሕትና ክቡር ኣብነት ኢዩ እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ኣባ ሎምባርዲ ዘኪሮም፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናይቲ ቅዱስ ትሕትናን ቅንዕናን ተምሳጥ ዝገብር ሕይወት ከምዘማዕድዉ ድማ ከምገለጹ ኣዘኻኺሮም፣ ብስም መላእ ሰራሕተይናታትን ጋዜጠይናታትን ራዲዮ ቫቲካን ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓጎስ መግለጺ መልእኽቲ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.