2012-03-17 15:19:45

ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ፦ “ዳግማይ ግንዛቤ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን”


ኣብ ፈረንሳ ናይ ሰይንት ልዊስ ደ ፍራንስን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ፈረንሳ ልኡከ መንግሥትን ኣብ ሮማ ግዳመ ግዝኣታዊ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥብብ RealAudioMP3 ብምትሕብባር ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን “ዳግማይ ግንዛቤ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተምፈርሔ ታሪኻውን ቲዮሎጊያውን መዳያቱ ዝድህስስ ዕለት 3 መጋቢት 2012 ዓ.ም. ዝጀመሮ ሽዱሽተ ርክባት ዘጠቓለለ ዓውደ መጽናዕቲ ብምቕጻል፣ ናይቲ ዓወደ መጽናዕቲ መደብ ካልኣይ ርክብ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ዓንቀጸ ሃይማኖታዊ ድንጋገ ብዛዕባ ቤተ ክርስያን “Lumen Gentium-ብርሃን ኣሕዛብ” ኣማእኪሉ ከምዘካየደ ነቲ ዓወደ መጽናዕቲ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዳቪደ ማጆረ ኣመልኪቶም።
ብዛዕባ እቲ መደብ ካልኣይ ርክብ ኣመልኪቶም ኣብቲ ዝተኻየደ ዓወደ መጽናዕቲ ኣብ ብርሃን ኣሕዛብ ዝብል ውሳኔ ጉባኤ ቫቲካን እተነጸረት ቤተ ክርስትያን ኣማእኪሎም ኣስተምህሮ ዘቕረቡ ጳጳሳዊ ናይ ሥነ ታሪኽ ተቛም ኣቦ መንበር ኣባ በርናርድ ኣርዱራ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣብቲ ውሳኔ፣ ቤተ ክርስትያን ኣብቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ 12 ሓዋርያት ሓርዩ ዘጽንዖ ደረጃ ሓዋርያዊ መዝነት ዝቖመት ኮይና፣ መልክዕ ሕዝበ እግዚኣብሔር ዘለዋ ከምዝኾነት ከምእተነጸረን፣ ስለዚህ ቤተ ክርስትያን ሚስጢረ ኣካል ክርስቶስ ከምዝኾነትን ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ብጸጋ ሚስጢረ ጥምቀት ድማ መሓውር ናይቲ ቅዱስ ኣካል ክርስቶስ ከምዝኾነን ከምኡ እውን ቤተ ክርስትያን ናብቲ ፍጻሜ ጊዜ እትጎዓዝ ናይታ ሓዳስ ኢየሩሳሌም መልክዕ ዘለዋ ምዃና ዘነጽር ውሳኔ እዩ። እዚ ድማ ኵላውነት ባህርይ ጸዋዕታ ቅድስና ዘመልክት እዩ። ስለዚህ እቲ ምስጢረ ጥምቀት ዝተቐበለ ናብዚ ኵላውነት ቅድስና ዘምርሕን ነዚ ጸዋዕታ ቅድስና ኣብ ዕለታዊ ሕይወቱ ብቑዕ መልሲ ኣብ ምሃብ ተጊሁ ክነብር ዝዕድምን፣ ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያን ቅድስና ሱታፌ ዝተጸውዔ እዩ። እቲ ሰነድ ነዚ ዘማእከለ እውን ምዃኑ ኣረዲኦም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.