2012-03-17 15:17:34

ዓርቢ ስቕለት፦ ቤተ ክርስትያን ንስድራ ቤት ዘለዋ ኣተኩሮ


ከምቲ ልሙድ ዓርቢ ስቕለት ኣብ ሮማ ክፍለ ከተማ ኮሎሰዩም ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝምራሕ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናን ነጋዶ ዝሳተፍሉ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ዝካየድ ምዃኑ ክዝከር እንከሎ፣ ነቲ ናይ ለብዘበን ዕለት 16 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም. ዝፍጸም ጸሎት ፍኖተ መስቀል ዘጠቓልሎ ኣስተንትኖ RealAudioMP3 እቲ “ሓደ መታን ክኾኑ” ዝብል ቃል ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መንፈሳዊ መርሕ ገይሩ ዝቖመ ምንቅስቓስ ፎኮላሪኒ ማለት ኣፍቅሮተ ዘቤት ዝነብሮ መንፈሳውነት መሠረት ዝገበረ፣ ብኩላዊት ቤተ ክርስትያን ተቐባልነት ዝተውሃቦ፣ ሓደስቲ ስድራ ቤት ብዝብል ስም ካቶሊካዊ ምንቅስቃስ ዝመስረቱ ናይ ኣፍቅሮተ ዘቤት መስራቲት ነፍሰ ኄር ኪያራ ሉቢክ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ዝነበሩ ሰብ ሓዳር ኣናማሪያ ዛንዙኪን በዓል ቤተን ዳኒሎ ዛንዙኪ ክደርሱ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ከምእተሓርዩ ክንገር እንከሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ነዛ ስድራ ቤት እቲ ናይ ዓርቢ ስቕለት ጸሎት ፍኖተ መስቀል ኣስተንትኖ ክትደርስ ዝሃብዎ ኃላፍነት ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ንስድራ ቤት ዘለዋ ሓልዮትን ኣተኩሮን ዝምስክር ምዃኑ ስድራ ቤት ዛንዙኪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ገሊጾም፣ እቲ ዝተውሃቦም ኃላፊነት ብሓቂ ዘይተጸበይዎን ኣብ ቅድሚ እቲ ዓብይ ናይ ድሕነት ምስጢር ማእከል ዝኾነ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ስቓይ ዝግበር ኣስተንትኖ ምቕራብ ቀሊል ኣይኮነን ስለዚህ በቲ ሓደ መዳይ ሓጎስ እውን እንተተሰመዓና እቲ ኃላፍነት ዓቢይ ምዃኑ እወታዊ ፍርሕ ኣሕዲሩልና እዩ እንክብሉ ገሊጾምን፣ እቲ ኃላፍነት እግዚኣብሔር ብተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣቢሉ ዝሃቦም ጸጋ ምዃኑ ሓቢሮም።
ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ነታ ማእከል ኅብረሰብ ዝኾነት ስድራ ቤት እትህቦ ኣቃልቦን ኃልዮን ስድራ ቤት፣ ቤተ ክርስትያን ምዃና ግንዛቤ ክትገብር ከምዝደገፋን፣ ከም ቤተ ክርስትያን ክትነብርን፣ ኣብ ኅብረተሰብ መስካሪት ቅድስቲ ስድራ ቤት ኮይና ክትነብር ዘተባብዓ እውን እዩ። ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘቖምዎ ናይ ስድራ ቤት ጉዳይ ዝከታተል ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ከም ኣብነት እውን ጠቒሶም፣ ሎሚ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ስድራ ቤት ብዝተፈላለዩ ዝኽስቱ እዋናዊ መሰናኽላት ከይትሰናበድን፣ ነቲ ዝርኤ ዘሎ ተዛማዲ እምነት ዝነጽግ ባህሊ ብሓቀይና ክርስትያናዊ ምስክርነት ክትብድሆ ከይተሓለሉ ንስድራ ቤት ዘተኮረ ዘመሕላልፍዎ ሥልጣናዊ ኣስተምህሮታትን ምዕዳንን ዝህብዎ ምትብባዕን ገሊጾም፣ ስድራ ቤት ንእሽተይ ቤተ ክርስትያን ክፍሊ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ምዃና ኵላዊት ቤተ ክርስትያን እትህቦ ኣስተምህሮ ዝምስክር ኃላፍነት ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.