2012-03-17 15:15:44

ናይ ሓዋርያዊ መንበር መልሲ ንናይ ቲዮሎጊያዊ ሰነድ ማኅበር ሕውነት ካህናት ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ


እቲ ማኅበር ሕውነት ካህናት ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዕለት 1 ሕዳር 1970 ዓ.ም. ኣብ ፍሪበርግ ብብፁዕ ኣቡነ ማርሰል ለፈብቭረ ዝተመሥረተን ኣብቲ እዋን ቤተ ክርስትያናዊ ኣፍልጦ ዝረኸበ ኮይኑ ደሓር ግን ብሓፈሻኡ ንጉባኤ ካልኣይ ቫቲካን ዝተቓወመን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን RealAudioMP3 ንሓድነት ዝኣመተ ዘተን ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ኣይፋል ዝበለን፣ ንናይ ሊጡርጊያ ኅዳሴ ዘይተቐበለን እቲ ጥንታዊ ሥርዓት ሊጡርጊያ ወይ ድማ ያታዊ ሥርዓት ሊጡርጊያ ብዝብል ስም ዝልለይ ብሥርዓት ሕገ ቀኖና ጉባኤ ትረንቶ መሠረት ዝቖመ ሥርዓት ሊጡርጊያ ትረደንቲዩም ጥራሕ ዝቕበል ኮይኑ ድሕሪ ምጽናሕ፣ እቲ ቀጻሊ በመንበረ ቅዱስ ጴርጥሮስ ዝቐርብ ሥልጣናዊ ውሳኔ ኅዳሴታት ዘይቅበል ኮይኑ ካብ ቤተ ክርስትያን ምስ ተፈልየ፣ እቲ ዝተኸስተ ፍልልይ ንኽውገድ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናታ ቲዮሎጊያውን ሕገ ቀኖናውን ሥነ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን መሠረት ዝገበረ ናይ ሓባር ዘተ ኣብ መንጎ ሓዋርያዊ መንበርን ማኅበር ሕውነት ካህናት ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይን ክካየዱ ከምዝጸንሔ ዝዝከር እዩ።
ዕለት 14 መስከረም 2011 ዓ.ም. ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዓንቀጸ እምነት ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተን ናይቲ ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ኩለመናዊ ውኅደት ዝሓሊ Ecclesia Dei - ጉባኤ እግዚኣብሔር እተሰምየ ድርገት ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ዊሊያም ለቫዳን ናይ ማኅበር ካህናት ሕውነት ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ጠቕላሊ ሓለቓ ክቡር ኣቡነ በርናርድ ፈለይ ኣብ ዘኻየድዎ ርክብ፣ ብፁዕ ካርዲናል ለቫዳ ሓዋርያዊ መንበር ሓድነት ንምርግጋጽ ዘብቅዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን መትከላዊ ዓንቀጸ እምነትን ንምሉእ ተኣዝዞ ሥልጣናዊ ትምህርቲ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ተኣማንነትን ውሑስ ዝገብር ምስ ቤተ ክርስትያን ምዃን ዘስምዕ ንብቑዕን ትኽክለይና ትርጉም ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ዓንቀጻ እምነት መሠረት ዝኾኑ መምዘንታት ዘጠቓለለ ብመእተዊ ጸብጻብ ዝተሰነየ ሰነድ መቕድም ዓንቀጸ እምነት ንክቡር ኣቡነ ፈለይ ከምዘረከቡ ዝዝከር እዩ።
እቲ ማኅበር ሕውነት ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ነቲ ዝተረከቦ ብመእተዊ ጸብጻብ ዝተሰነየ ሰነዳዊ መቕድም ዓንቀጸ እምነት መሠረት ገይሩ ውሽጣዊ ዘተ ድሕሪ ምክያድ፣ ኣብ ወረሒ ጥሪ 2012 ዓ.ም. ንናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ናይ መልሲ ሰነድ ከምዘረከበን፣ እዚ ቅዱስ ማኅበር ነቲ ዝተቐበሎ ናይ መልሲ ሰነድ ብዑምቀት ኣጽኒዑ ንውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ድሕሪ ምቕራብ፣ ብመሠረት ውሳኔ ቅዱስ ኣቦና፣ እቲ ቅዱስ ማኅበር ዝሃበሉ ናይ ገምጋም መልሲ ብፁዕ ካርዲናል ለቫዳ ትማሊ ዕለት 16 መጋቢት 2012 ዓ.ም. ንማኅበር ሕውነት ካህናት ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ጠቕላሊ ሓለቓ ክቡር ኣቡነ ፈለይ ከምዘረከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ዓንቀጸ እምነት ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተን ናይ ኤክለሲያ ደይ ድርገት ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ለቫዳ እቲ ካብ ማኅበር ሕውነት ካህናት ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ዝተውሃበ መልሲ ነቲ ዓንቀጸ ሃይማኖት መሠረት ዘለዎ ፍልልያት ከመዓራርይ ብቕዓት ዘይብሉ ከምዝኾነ ንማኅበር ሕውነት ካህናት ፒዮስ ዓስራይ ትማሊ ምስ ናይቲ ማኅበር ሕወነት ካህናት ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ጠቕላሊ ሓለቓ ክቡር ኣቡነ ፈለይ ኣብ ዘካየድዎ ልዕሊ ክልተ ሰዓት ኣብ ዝወሰደ ዘተ ከምዘነጸሩ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝተውሃበ መግለጺ ሓቢሩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ናይ ዓንቀጸ ሃይማኖት ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ለቫዳ፣ እቲ ዘሕዝንን ክግመት ዘይከኣል ሳዕቤን ክህልዎ ዝኽእል ምግምማዕ መታን ከይህሉ፣ እቲ ማኅበር ሕውነት ካህናት ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ዝተውሃቦ መልሲ ንቡር ውህደት ክምለስ ዝብል ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዘቕረብዎ ለበዋ መሠረት ገይሩ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ መብርሂ ክህበሉ ንናይቲ ማኅበር ጠቕላሊ ሓለቓ ክቡር ኣቡነ ፈልይ ከምዝዓደሙ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.