2012-03-17 15:21:38

ሓድሽ መርበብ ሓበሬታ ናይ ኣንቀጸ እምነት ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር


ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማኅበር እቲ ናይ ገዛእ ርእሱ መርበብ ሓበሬታ፣ ድኅረ ሲኖዶሳውያን ኣዋጃትን ውሳኔታትን እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ዘጠቓለሉ ሰነዳትን መግለጽታትን ሓበሬታን ከምኡ እውን ሰነዳትን መጽናዕትታትን ሕትመትን እቲ ቅዱስ ማኅበር RealAudioMP3 ናይ ዘዳልዎም ዓወደ መጽናዕታት ዝህቦም ናይ ፍጻሜ ሰነዳት መግለጽታትን ዝሕተሙ ሰነዳትን መጻሕፍትን ሓበሬታን ዝጠቓልል ገይሩ ከምዝሓደሶ እቲ ቅዱስ ማኅበር ዝውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
እዚ ዳብሊው ዳብሊው ዳብሊው ነጥቢ ዶክትሪናፊደይ ነጥቢ ቫት - www.doctrinafidei.va ብዝብል ኣድራሻ ዝፍለጥ መርበብ ሓበሬታ ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ቅዱስ ማኅበር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ኅዳሴ መርበብ ሓበሬታ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ዓንቀጸ ሃይማኖት ዘነጽርን ምእመናን ናይ እምነቶም ዓንቀጻት ክርድኡን መብራርህሪ ክረኽቡሉን ብፍላይ ድማ እቶም ኣብ መዳይ ቲዮልጊያውን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝተጸምዱ፣ ናይ ቤተ ክርስትያን ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝቐርብን ዝወሃብን ሥልጣናዊ ትምህርቲ ክስዕቡን፣ ጉባኤታትን ውሳኔታትን ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ዘየማትእ ግምት ክህቡሉን ናይ ቤተ ክርስትያን ተልእኾን ሕይወትን ናይ ዝምልከቱ ዓበይቲ ሕቶታት መልሲ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ክርድኡን ብሓፈሻኡ ካብ ዓንቀጸ እምነት ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ከይውጻእ ምድጋፍ ዝብል መሠረት ዝገበረ ሕዳሴ ምዃኑ የነጽር።
ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ዘላትሉ ሃገር እትኽተሎ ዓንቀጸ እምነት ሓደኣዊ ባህርይ ዘለዎ ብፍልልያት ባህልን ቋንቋን ሥርዓተ ቅዳሴን ዘይውሰንን ኣብ ኩሉ ሓደ ዝኾነን እቲ ሓደኣዊ ባህርእዩ ክንበር ዘለዎ ምዃኑ ዘስተምህር እዩ። ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ብሔራዊ ባህርይ ዘለዋ ዘይኮነስ ኵላዊት እያ። ስለዚህ ኣብቲ ብሔራውነት እቲ ኵላውነት ክደምዕ ስለ ዘለዎ፣ ነዚ ዘተሓሳስብን ዝምዕድን ኣብዚ መዳይ ዝወሃቡ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣስተምህሮታት ምስኦም ኅብረት ናይ ዘለዎም ብፁዓን ጳጳሳት ጳጳሳዊ ቤት ምኽርታትን ቅዱሳት ማኅበራትን ኣብ ናይ ዓንቀጸ እምነት መዳይ ዝምልከት ዝህብዎ ኣስተምህሮ ዘጠቓልል እውን ክኸውን ተሓሲቡ ዝተሓደሰ ምዃኑ እቲ ናይት ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማኅበር ዘመሓላለፎ መግለጺ የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.