2012-03-15 14:34:17

ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ናብ ኩባ “ናይ ፍቕሪ ነጋዲ”


እቲ ካብ ዕለት 26 ክሳብ ዕለት 28 መጋቢት 2012 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ኩባ ዝፍጽምዎ ናይ ፍቕሪ ነጋዲ ብዝብል መጸውዒ ዝግለጽ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ይቃረብ ከምዘሎ ናይ ኩባ ርእሰ ከተማ ሃቫና ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኻይመ ኦርተጋ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ናይታ ሃገር ወግዓዊ ኩባቪዝን እተሰምየ ናይ ተለቪዥን ጣቢያ ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ ናይ 20 ደቓይቕ መግለጺ፣ ቅዱስ ኣቦና RealAudioMP3 ንናይ መደብ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝህብዎ ዘለዎ ሥልጣንዊ መምርሕን ዝፍጽመዎ ዘለዎ ሓዋርያዊ ጻዕሪ ገሊጾም፣ ኩሎም ምእመናን ኣብቲ ምስ ቅዱስነቶም ዝፍጸም ርክብ ክሳተፉ ከምዝዓደሙ ተገሊጹ።
ብፁዕ ካርዲናል ኦርተጋ ናይቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ ምብጻሕ ሕመረት ብእምነት ምጽናዕን ክቡራት ዋጋታት ክርስትና ዳግም ንምርግጋጽ ዝብል ምዃኑ ኣነጺሮም፣ ናይቲ ዝሓለፈ ኣብ 1998 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ኩባ ዝፈጸምዎ ዝዝክርን ኣብዚ እዋን ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝፍጽምዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዝኾነን ቅዱስነቶም እዚ መደብ’ዚ ዓቢ ሓጎስ ከምዘሕደረሎም ኣብ ቫቲካን ወርሒ የካቲት ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ካርዲናላት ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ገሊጾምን ኣብ ኩባ ንራኸብ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ዘኪሮም፣ እዚ ናይ ፍቕሪ ነጋዲ ዝብል መደብ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ምብጻሕ እምነት ኣብ ልቢ ዜጋታት ዘሎ እውን እንተኾነ ኣብ ኩባ ዝሑል ኮይኑ ከምዝርኤን ምእንቲ’ዚ ቅዱስ ኣቦና ኣብተን ጥንታውያን እምነት ክርስትና ዝተቐበላ ሃገራት ዳግማይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣገዳሲ ምዃኑ ዘተሓሳስብ እዩ ኢሎም።
ብፁዕ ካርዲናል ኦርቴጋ፣ ንቕዱስ ኣቦና “ናይ ሓቂ ር.ሊ.ጳ.” እንክብሉ ገሊጾምን መላእ ሕይወቶም ኣብ ዓሚዩቕ መጽናዕትን ሥነ ፍልጠትን ምርምርን ዘውዕሉን ጸዋዕታ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅነት ዘለዎም፣ ሓቂ ኣብ ምንዳይ ዝተጸምዱ፣ ምእመናን ኣብዚ ተዛማዲ ባህሊ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎን ንሓቂ ስግኣት ዝኾነ ሽለልታ ሥነ ምግባርነትን ፍጹምነትን ኣብ ዝንብረሉ ዘሎ እዋን ሓቂ ኣብ ምድላይ ክብርትዑን ክነቕሑን ዘተባብዑን ዝሓንጹን ኢዮም ቢሎም፣ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ባህርእዩ ኣብ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተልኾ ዘሎ ጸዋዕታ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም፣ ስለዚህ እቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብመንጽር ብዝሒ ተሳታፊ ወይ ድማ ብኣሃዛዊ ጭብጥታት ደሪትካ ዘለዎ ዓሚዩቕ ትርጉሙ ምጉዳል ኣይግባእን፣ ስለዚህ ኣብ ልቢ ዜጋ ኩባ ተሓቲሙ ዝተርፍ ተመክሮ ከምዝኾውን ኣይጠራጠርን እየ ከምዝበሉ ተገሊጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅድሚ ትማሊ መንግሥቲ ኩባ ናይቲ መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዝምልከት ዘውጽኦ መርበብ ሓበሬታ ብወግዒ ከምዘላለየን፣ ኣብቲ ድረ ገጽ ብርእይት ዝተሰነየ ታሪኽ ከተማ ቫቲካን፣ ኣብ 1998 ዓ.ም. ናይ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ኩባ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘዘንትው ጽሑፍን ዝተቐርጸ ርእየትን ዘጠቓለለ ኮይኑ ብዛዕባ እዚ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ኩባ ዝምልከቱ መግለጽታትን ዜናታትን ጽሑፋትን ዘጠቓለለ ኮይኑ፣ ኣብ ምርግጋጽ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ዘቕርብዎ ሥልጣናዊ ኣስተምህሮታትን መሥዋዕተ ቅዳሴን ስብከታትን ርክባትን ኩሉ ዘጠቓልል ከምዝኸውን ተሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.