2012-03-15 14:37:21

ውሳኔ ሕዝባዊ ባይቶ ኅብረት ኤውሮጳ


ቅድሚ ትማሊ ሕዝባዊ ባይቶ ኅብረት ኤውሮጳ ሶዶማዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም ዜጋታት “ተበዓታይ ጾታ ምስ ተብዓታይ ኣንስት ምስ ኣንስት ልክዕ ከምቲ ኣብ ሰብኣን ሰበይትን ዝጸንዕ ቃል ኪዳናዊ ውህደት ክነብሩ ዝፈቕድ ቃል ኪዳናዊ ውህደቶም ኣፍልጦ ዝህብ ውሳኔ ከምዘጽደቐ እክምልከት፣ RealAudioMP3 እዚ እቲ ኣብ ሰብኣይን ሰበይትን ዝጸንዕ ቃል ኪዳን ዘቑሞ ትርጉም ሥድራ ቤት ዝልውጥ ውሳኔ፣ ከም ሓሳብ ቀሪቡ ድምጺ ተዋሂቡሉ 361 እወታዊ 268 ኣሉታውን 70 ድማ ድምጸ ተኣቅቦ ረኺቡ ከምዝጸደቐ ይንገር።
እዚ ኣብ ናይ ኅብረት ኤውሮጳ ቅዋም ከም ሕገ ዓንቀጽ ኮይኑ ዝቐርብ ውሳኔ ሃገራት ኣባላት ኅብረት ኤውሮጳ ኣብ ብሔራዊ ቅዋመን ብዛዕባ ስድራ፣ ብሰብኣይን ሰበይትን ዝቐውም ውህደት ዝብል ዝወሃቦ ጥንታውን ባህርያዊ ትርጉም ክቕየር ዝእዝዝ ኮይኑ፣ ሓደኣዊ ጾታ ዘለዎም ቃል ኪዳን ከቑሙን ናይዞም ክፍሊ ኅብረተሰብ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሑስ ክኸውን ብዝብል ዕላማ ዝተለዓዓለን ናይዞም ዜጋታት ብዘለዎም ጾታዊ ዝምባሌ ንሓደጋ ግብረ ኣድልዎ ከይቃልዑ ንምክልኻል ዝብል ብናይ ሆላንድ ናይ ጸጋም ስጓማ ውድብ ዝቐረበ ሓሳብ እውን ከምዝኾነ እንክምልከት፣ ናይ ኤውሮጳ ሕዝባዊ ውድብ ፖለቲካ ብዛዕባ እዚ ናይ ቃል ኪዳን ዝምልከት ሕጊ ንናይ ልኡላውነት መሰል ኣባል ሃገራት ክሕደግ ኣለዎ ዝብል ዘቕረቦ ሓሳብ ውድቂ ከምዝኾነ ተገሊጹ።
ብዛዕባ’ዚ ሕዝባዊ ባይቶ ኅብረት ኤውሮጳ ዘጽደቖ ሕጊ ኣመልኪቶም ናይ ኣባይቲ ስድራ ማኅበራት ጉባኤ ሊቀ መንበር ናይ ሕጊ ሊቅ ፕሮፍፈሰር ጆቫኒ ጃኮበ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ቅድም ቀዳድም ሕዝባዊ ባይቶ ኅብረት ኤውሮጳ ኣብ ከምዚ ዓይነት ‘ነገር’ መዝነት የብሉን፣ ስለዚህ እቲ ዝጸደቐ ውሳኔ ካብ ቃል ናብ ተግባር ዘይሓልፍ ናይ ሓደ ክፍሊ ውድባት ፖለቲካ ሥነ ኣመለኻኽታ ገላጺ ተግባር ኮይኑ እዩ ዝተርፍ፣ ዋላ’ኳ እንተጸደቐ ንናይ ኅብረት ኤውሮጳ ኣባላት ሃገራት ግዲ ዝብል ኣይኮነን፣ ስለዚህ ቀጥታዊ ጽልዋ የብሉን፣ ኅብረት ኤውሮጳ ንኣባላት ሃገራት ብዛዕባ ቃል ኪዳን ዝምልከት ሕገን እቲ ናይ ኅብረት ኤውሮጳ ሕዝባዊ ባይቶ ዘጽደቖ ውሳኔ ግምት ክህባሉ ሓደራ ዝብል እዩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.