2012-03-15 14:48:48

ናይ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ


ካብ በልጅም ሕፃናት ተመሃሮ ንናይ ሰሙን ዕረፍቲ ዙረት ናብ ስዊዘርላንድ ዘጓዓዘት ኣውቶቡስ ድሕሪ እቲ ዙረት ናብ ሃገሮም በልጂም ኣብ ምምላስ እትሓልፈሉ ዝነበረት ናይ ሓደ መተሓላለፉ ጉሕጓሕ መንደቕ ተላቲማ ካብቶም ተጓዓዝቲ መብዛሕቲኦም ተመሃሮ ዝርከብዎም 52 ሰባት 28 ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጓነፎምን ካብኣቶ እቶም 22 ድማ ሕጻናት ተመሃሮ ክኸኑ እንከለዉ፣ ካልኦት ከቢድን ቀሊልን ማህሰይቲ RealAudioMP3 ዝወረዶም ተመሃሮን መምሃራንን ዝርከብዎም 24 ሰባት ኣብ ሕክምና ከምዘለዉን ክፍለጥ እንከሎ፣ እዞም ካብ በልጂም ኣብ ኣውራጃ ፊያንደር ካብ ዝርከባ ከተማታት ሎመልን ሀቨርሊን ዝተዋጽኡ ናይ ክልተ ኣባይቲ ትምህርቲ ተመሃሮ ብዘጓነፎም ናይ ሞትን ማህሰይትን ሓደጋ ልቦም ብሓዘን ዝተተንከፈ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግልጺ መልእኽቲ፣ ትማሊ ናይ በልጂም ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ቤልጂም ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ብፁዕ ኣቡነ ጃንቺንቶ በርሎቾ ዝተሳተፈሉ ብናይ ማሊነስን ብራስለስን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኣንድረ ጆሰፍ ሊዮናርድ ተመሪሑ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ፍትሓት ጸሎት ዋዜማ ከምእተነበ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ናይ በልጂም መራሔ መንግሥቲ ኤሊዮ ዲ ሩፓ እቲ ዝወረደ ሓደጋ ብሔራዊ ሓደጋ ቢሎም እንክስመይዎ፣ ኣብ በልጂም እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ናይዚ ሓዘን ተኻፋሊት ብምዃን ምስ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ሓቢራ እግዚኣብሔር ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጓነፎም ኣብ ቤቱ ክቕበሎምን ነቶም ወለዲ ምዉታትን ሥድራ ቤትን እግዚኣብሔር ጽንዓት ክህቦም ትማሊ ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ፍትሓት ጸሎት ዋዜማ ከምዝጸለየት ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ትማሊ ንጎሆ ናብታ ናይቶም ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሎመል በጺሖም ንቤተሰብ ሕዙናት ዘጸናንዑ ናይ ሃሰልት ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፓትሪክ ሁግማርተንስ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ተረኺቦም ምስቶም ናይቲ ዘጓነፈ ሓደጋ ግዳይ ዝኾኑን ኣብ ሕክምና ናይ ዝርከቡን ተመሃሮ ወለዲ ክበጽሑን ዝዓረፉን ዘለዉን መንነቶም ንኽለልዩ ቅድሚ ምንቃሎም ተራኺቦም፣ እቶም ወለዲ እግዚኣብሔር ኣበይ ኣሎ? ዝብል ናይ ኅልውና ሕቶ ከምዘቕረቡሎምን፣ ንሶም ድማ እግዚኣብሔር ከምዘሎ ዘለዎም ርግጸይናነት ኣካፊሎም ኅላዌ እግዚኣብሔር ኣብ ዝኾነ ይዅን ኣዋንን ቦታን ክውን ከምዝኾነን ብፍላይ ድማ ኣብ ጸገምን ሓዘንን መከራን ቀረባና ከምዝኾነ ገሊጾም ከምዘጸናንዕዎምን ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን በይንና ኣይኮናን እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.