2012-03-13 11:32:15

ሱቍታ እግዚአብሔር ማዕረ ዘረባ ኢዩ


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 07.03.2012 አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብአሽሓት ንዝቁጸሩ ምእመናንን ነጋድያንን አብ ዝሃብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ነቲ ብዛዕባ ጸሎት ኢየሱስ ንዝጀምርዎ አስተንትኖ ብምቅጻል ክርስቶስ አብ መስቀል ኮይኑ “አምላኸይ አምላኸይ ንምንታይ ሓዲግካኒ” ቢሉ ክሳብ ምግዓር ዘብጸሖ ሱቝታ እግዚአብሔር ንአስተንትኖ ዝዕድም ጸጥታ ናይ ኩሉ ውሳጣውን ደጋውን ኩነታትና ዝጠልብ ምዃኑ ብምግላጽ ሱቝታ እግዚአብሔር ማዕረ ቃላት ኢዩ ቢሎም።
ኩሉ ጸጥ ቢሉ ሱቍታ እንኪሰፍን ዘፍርህ እኳ እንተኾነ ንብዙሓት እውን ትርጉም አልቦን ክትጻውሮ ከቢድን እንተመሰለ፡ አብ ሕይወት ክርስትና ግን ዓቢይ ዋጋን ቍምነገርን አለዎ። ብዙሓት ከም ባዶሽ ዝር እይዎ ሱቝታ ንዝ አምን ግን እግዚአብሔር ዝዛረበሉ ግዜን ቦታን ኢዩ። ቅዱስነቶም ነዙይ ንምግላጽ አብ ጎልጎልታ ምልስ ብምባል ክርስቶስ አብ መስቀል ተሰቂሉ እንከሎ ዝነበረ ሱቍታ አብ ሕይወት ክርስቶስ እንታይ ትርጉም ከምዝነበሮ ከምዚ ክብሉ ገለጹ። “መስቀል ክርስቶስ ሱቍ ምባል እታ ክርስቶስ ነቦኡ ዘቅረባ ናይ መጨረሻ መግለጺ ከምዝኾነ ጥርይ አይኮነን ዝገልጽ፡ እንታይ ደአ እግዚአብሔር ብሱቍታ ከምዝዛረብ እውን ይገልጽ። ኢየሱስ አብ መስቀል ኮይኑ ዘሕለፎ ተመኵሮ፡ ነቲ ወዲ ሰብ አብዚ ምድሪ እዚ ንቃል እግዚአብሔር ሰሚ ዑን አለልዩን ብልቡ ጸልዩ አብ ፍጻሜ ጸሎት እንክበጽሕ የመልክት፡ ንሕና እውን ነቲ መግልጺ መለኮታዊ ቃል አምላኽ ዝኾነ ሱቍታ እግዚአብሔር በዚ ክንመዝኖ አሎና። ኮይኑ ግን ነዚ ሚዛን ሱቍታ ንምርዳእ ወዲ ሰብ ብውሽጥን ብደገን ሱቍ ምባል ክመሃር እለዎ። እዚ ግን ሎሚ አብዚ ዘሎናዮ ዘመን ብጣዕሚ ከቢድ ኢዩ።፡ዘመንና ርግእ ቢልካ ንምስትንታን ዋጋ ዘይህብ ኢዩ፡ እኳ ደአ ሓንሳብሓንሳብ ወላውን ንቁሩብ ግዜ እቲ ን ዕለታዊ ሕይወትና ጐቢኡ ዘሎ ውሕጅ ዘረባን አሳእልን እንተአቋሪጹ ፍርሂ ይወረና። ስለዚኸስ ብጸጥታን ህድአትን አብ ሕይወት ቤተክርትያን ንማእከልነት ቃለ እግዚአብሔር እንደገና ሃሰስ ቢልና ንርከቦ፡ እዚ ኸአ ንትርጉም ሃዲ እካ ምስትንታንን ውሳጣዊ ጸጥታን ምርካብ ኢዩ” እንክብሉ ዕላማ ሱቍታን አስተንትኖን ገሊጾም።
ቅዱስነቶም አተሓሒዞም እዚ ዕላማ ሱቍታን አስተንትኖን አብ ኩሉ ሥርዓተ አምልኾ ክዝውተር፡ ኩሉ ተግባራት ሥርዓተ አምልኾና ብናይ ሱቍታ ግዜን ጸጥ ቢልካ ንቃል አምላኽ ብዘይ ዘረባ ምስማዕን ክህብትም ከምዘለዎን ንሕና ጥራሕ ዘይኮነ እግዚአብሔር እውን ሱቅ ዝብለሉ ግዜ ከምዘሎ ከምዚ ክብሉ ገልጹ። “እግዚአብሔር ሱቍ አብ ዝብለሉ ግዜ ዝሓደገና ይመስለና ዘይሰም ዓናን ዘይምልሸልናን ኮይኑ ይስም ዓና። ኮይኑ ግን ከምቲ ንኢየሱስ አብ መስቀል ዘጋጠሞ እዚ ሱቍታ እዚ ናይ ምሕዳግ ምልክት አይኮነን። ክርስትያን ዘበለ ኩሉ ወላ እውን አብቲ ጸልማት ዝ ዓብለሎ ናይ ሥቃይ ግዜ ከማኡ እውን ተነጺሉን በይኑን ኮይኑ አብ ዝስም ዓሉ ግዜ እግዚአብሔር ከምዘሎን ከምዝሰም ዖን አጸቢቁ ይፈልጥ። ኢየሱስ ንሐዋርያቱ ንነፍሲ ወከፍናን አብ ዝኾነ ይኹን ግዜ መነባብሮና እንታይ ከምዘድልየና እግዚአብሔር አጸቢቁ ከምዝፈልጥ የረጋግጸልና። ነዚ ኢዮብ ጻድቅ አጸቢቁ ይፈልጦ ነይሩ፡ ነዚ ስለዝፈለጠ ከአ ወላ እውን አብቲ ፈተና ዝበርተዓሉ ግዜ እውን ከይተረፈ እምነቱ ብዘይ ኢንታ ዓቂቡ፡ አብ መወዳእታ ከአ “ክብሉ ብዝሰማዕክዎ ጥራይ እፈልጠካ የንይረ ሕጂ ግን ጐይታይ አዕይንተይ ርእየናኻ” በለ። “ንሕና ኩልና ንእግዚአብሔር ክብሉ ብዝሰማዕናዮ ጥራይ ኢና እንፈልጦ፡ ኮይኑ ግን ብጽሙና ነቲ ሱቍታን ንሱቍታናን ልብናን አእምሮናን መጠን ዝኸፈትናዮ መጠኑ ን እግዚአብሔር ብሓቂ ክንፈልጦ ንጅምር። ቅዱስ ፍራንቸስኮ በዓል ሳቨርዮ እንክጽሊ “ጎይታይ አነ ዘፍቅረካ መንግሥተ ሰማይ ክትህበኒ ወይ እውን ናብ ገሃነመ እሳት ከይትድርብየኒ አይኮነን እንታይ ደአ ንስኻ አምላኸይ ስለዝኾንካ ኢዩ፡ ንስኻ ንስኻ ስለዝኾንካ አፍቅረካ” ይብል ነበረ።
ንጸሎት ሓቀኛ ዝገብሮ ከኣ ንጽሕና ልቢ ኢዩ፡ ምሕረት ጸላእትኻ ከማኡ እውን ክንዮ እቲ ዝስማዓካን ዝርደአካን አብ እግዚአብሔር ውሉዳውን ተባዕን ምትእምማን ክህልወካ ይግባእ። ስለዝኾነ ከአ ይብሉ ቅዱስነቶም፡ “ስለዝኾነ ከአ ንዓና ነዞም ወትሩ ናይቲ እንገብሮ ነገራት ጭቡጥ ውጽ ኢትን ውጽ ኢታዊ ተግባ ንምርካብ ን እንጽ ዕት ጸሎት ኢየሱስ ካብቲ ዕለት ዕለት ዘጋጥመና ዝህውኽ ነገራት እልይ ቢልና ነቲ ንሕይወትና ዝድግፍን ዝአልን መሠረት ንምብጻሕ ርግእ ቢልና ሓንሳብ ክንሓስብን ምስ እግዚአብሔር ጥቡቅ ርክብ ክህልወናን ይዕድመና” እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.