2012-03-09 13:18:10

ብፁዕ ካርዲናል ራቫዚ፦ “ሕድ ሕዳዊ ምድላይ ስነ ፍልጠትን እምነትን”


ጳጳሳዊ ረጂና ኣፖስቶሎሩም መንበረ ጥበብ መበል 10 ዓመት ምጅማር ክፍሊ ትምህርቲ “ርክብ ኣብ መንጎ ስነ ፍልጠትን እምነትን” ምኽንያት ኣብ ዝተኻየደ ዓወደ መጽናዕቲ ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ኣብቲ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ተረኺቦም ንተመሃሮን መምሃራን “ኣብ ታሪኽ ዝርኤ ኣብ መንጎ ስነ ፍልጠትን እምነትን ዘሎ ኩነት ርክብን ዘተን ከምኡ እውን ብዛዕባ እዚ ርክብ’ዚ ኣብ ስነ ባህላዊ መዳይ ዝግበር ናይ ክትዕ ከይድታቱን ምዕባሌታቱን ብሓፈሻኡ ፍልቀታዊ ከይዱ” ኣማእኪሎም ኣብ ዘቕረብዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን “ኣብ መንጎ ስነ ፍልጠትን እምነትን ዘሎ ሕድ ሕዳዊ ምድላይ” ከምዘነጸሩ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ስነ ምርምራዊ ፍልጠት ከም ሓደ ክልሰ ሓሳባዊ ረቒቕ ከምዝኾነ እቲ በቢ ዕለቱ እነኻዕብቶ ርድኢት፣ ስነ ምርምራዊ ፍልጠት ግብረ ሞያኣዊ ጥራሕ ብምዃኑ ጽማረ ወይ ድማ ዑምቀት ክውንነት ብምልኣት ከምዘይገልጾ ኢዩ። ስለዚህ ሰብኣዊ ኅልውና ብዝተገብኤ ምልኣት ክግለጽ መታን ብዛዕባ እንታይነት ሓቂ ክምህሩ ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ጥበባትን ስነ ፍልጠት ወይ ድማ ስነ ምርምር ግምት ዘይህበሎም መጽናዕታትን ጥበባትን ኣዚዮም ኣገደስቲ ኢያቶም።
ቅዱሳት መጻሕፍቲ ምስ ስነ ፍልጠት ዝተኣሳሰረ ጌርካ ምሕሳብን፣ እዚ ድማ ስነ ፍልጠትን ቲዮሎጊያን ሓባራዊ ተፈጻምነት ከም ዘለዎም ጌርካ ምሕሳብን ኣብ 1800 ዓመታት ድማ ኣብ መንጎ እምነትን ስነ ፍልስጠት ፈጺሙ ክራኸብን ክቀራረብን ዘይክእል ጋግ ከምዘሎ ኮይኑ ክሕሰብ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ቀጺሉ ግን እምነትን ስነ ፍልጠትን ተራኻብነት ዘለዎም ነናይ ገዛእ ርእሶም ሉኡላዊ ደረት ምርምር ዘለዎም ኮይኖም ንሓድ ሕዶም ዝላለዩ እምበር ዝገራጨዉ ከምዘይኮኑን ኣብ ዘነጽርን ነቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ነጸጌታ ከም ዘየል ኣብ ዝብል ርድኢት ተበጺሑ ኢዩ።
ቲዮሎጊያዊ ስነ ምርምርን ስነ ፍልጠታዊ ምርምርን ነናይ ገዛእ ርእሶም ስነ ምርምራዊ ጽፍሒ ዘለዎም ኮይኖም፣ ናይ ወዲ ሰብ ግንዛቤ ብስነ ፍልጠትን ብቲዮሎጊያዊ ኣስተንትኖ ዝሓልፍ ክብሪ ከምዘለዎ ተነጺሩ ኢዩ ኢሎም፣ እዚ ብኣኦም ዝምራሕ ብዛዕባ ባህሊ ዝግደስ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ፣ እቲ ኣብ ሞንጎ ስነ ፍልጠትን እምነትን ዘሎ ሕድ ሕዳዊ ምድላይ ዘነጽር ብሕገ ቫቲካን መሠረት ሓደ ስነ ፍልጠትን እምነትን እተሰምየ ናይ ክውንነት ኣድማስ ብዝተፈላለየ ጎድንታቱ ዘስተንትንን፣ ናይ ክልቲኣቶም ብቕዓት ዘጉልሕን ኣብ መንጎኦም ዘሎ ምድላይ ዘነጽር ማኅበር ከምዘቖመን ሓቢሮም፣ ክውንነት ግብረ ሞያዊ ጥራሕ ዘይኮነስ ብፍላይ ድማ ግብረ ገብን ቲዮሎጊያን ስነ ውበትን ዝጠልብ ሰብኣዊ ኣድማስ ዓቢ ግምት ምሃብ ናይ ግድን ኢዩ እንክብሉ ዘቕረብዎ ናይ ቤተ ክርስትያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.