2012-03-09 13:20:25

ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ኤውሮጳ፦ “ብዛዕባ ወዲ ሰብ ዝብል ሓቂ ናይ ፖለቲካ ማእከል ክኸውን”


ናይ ኤውሮጳ ደቡባዊ ምብራቕ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዕለት 5 መጋቢት 2012 ዓ.ም. ኣብ ስትራስበርግ ምስ ቤት ምኽሪ ኅብረት ኤውሮጳ ዝጀመርዎ፣ ብዛዕባ ዴሞክራስን ናይ ወዲ ሰብ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሃይማኖታዊ ኣድማስ ወዲ ሰብን ናይ ሓባር ዘተ ኣብ መንጎ ባህልታትን ከምኡ እውን ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ኅብረት ኤውሮጳ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብዛዕባ ሃይማኖትን ቤተ ክርስትያንን ዝምልከት ዘመሓላለፎ ውሳኔ ኣማእኪሎም ዘካየድዎ ናይ ሓባር ዘተ ናይ ወዲ ሰብ ሓቂ ናይ ፖለቲካ ማእከል ክኸውን ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት እቲ ርክብ ሎሚ ዕለት 8 መጋቢት 2012 ዓ.ም. ከምዝተፈጸመ ገሊጹ።
እዚ ናይ ኣልባኒያን ቦዝኒያ ኤርዘጎቪናን ቡልጋሪያ ቄጵሮስን ግሪክን ማልዲቭን ሮማኒያን ናይ ቱርክን ከምኡ እውን ዓለም ሓቆፍ ናይ ቅዱሳት ቀርሎስን መተዲዮስን ጳጳስዊ ቤት ምኽሪ ዝውክሉ ብፁዓን ጳጳሳት ብሓባር ኣብ ስትራስበርግ ምስ ናይ ኅብረት ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ብዛዕባ ዘካይድዎ ርክብ ኣመልኪቶም ናይ መላእ ኤውሮጳ ናይ ብፁዓን ጳጳት ቤት ምኽርታት ኅብረት ዋና ጸሓፊ ክቡር ኣባ ዱኣርተ ዳ ኩኛ እዚ ናይ ደቡባዊ ምብራቕ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ማኅበር ኣብቲ ከባቢ ሰላምን ፍትሕን መታን ክረጋገጽን መሰልን ክብርን ወዲ ሰብን መሠረታውያን ክብሪታት ክሕሎን፣ ኣቲ ከባቢ ኣብዚ መዳይ ንምንቕቓሕ ኣሚቱ ዝቖመ ምዃኑ ሓቢሮም፣ እቲ ርክብ ሓቀይና ስነ ምኅዳር ወዲ ሰብ ዘማእከል ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዘመሓላለፍዎ ሥልጣናዊ ትምህርቲ ኩላዊት ቤተ ክርስትያን መሠረት ብዛዕባ እቲ ዝኾነ ይኹን ባህሊ ክውስኖን ክድርቶን ዘይክእል ክብሪ ወዲ ሰብ ዝምልከት ሓቂ ኣብ ኤውሮጳ ንምንቕቓሕ ዝኣመተ እውን ከምዝኾነ ከምዘመልከቱ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
እቲ ናይቲ ርክብ ዛዕባ ፖለቲውን ባህላውን ሕቶ ቅድሚ ምዃኑ ናይ ሰብኣዊ ናይ ሓባር ናብራ መሠረት ዝኾነ፣ ናይ ወዲ ሰብን ማኅበራውን ሕይወት ትርጉም ዝምልከት ክኸውን እንከሎ ቤተ ክርስትያን ኣብ ማኅበራዊ መዳይ ዘለዋ ተራ ዘነጽር ምዃኑ ኣረዲዮም፣ እቲ ሰብኣውን ማኅበራውን ክብሪ መሠረት ሕግን ሥርዓትን ኮይኑ ብመዳይ ሕንጸት ንኅብረተሰብን ብፍላይ ድማ ንናይ ጽባሕ ታሪኽ ተረካቢ መንእሰይ ወለዶ ክመሓላለፍ ከምዘለዎን፣ ቤተ ክርስትያን እዚ ክብሪ’ዚ ተዛማዲ ዘይኮነስ ኣስተንፍሶ መንፈስ እግዚኣብሔር ከምዝኽኮነ ዘለዋ እምነት መሠረት ኣብ ምርግጋጹ ዓቢ ግደ ከምዘለዋ ዘነጽር ርክብ እውን ከምዝኾነ ከምዘመልከቱ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.