2012-03-03 15:59:47

ጳጳሳዊ ባሲሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘ ላተራኖ፦ “ማኅበራዊ ሕንጸት ኣብ ክቡራት ዋጋታት”።


ከምቲ በቢ ዓመቱ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባኪሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ናይ ማኅበራዊ ሕንጸት ኣብ ክቡራት ዋጋታት ኣሚቱ “ዘተ ኣብ ካቴድራል” ብዝብል ሥያሜ ዝካየድ ዝተፈላለዩ RealAudioMP3 ናይ ዓለማውያን ምእመናን ኣባላት ውሉደ ክህንት ላዕለዎት ኣካላትን ዘዛትይ፣ ሓሳቦቶም ዘነጻጽርሉ መደብ ናይ ሓባር ዘተ ቅድሚ ትማሊ “መወስቦኣዊ ፍቕሪ፦ ንሓድሽ ትውልዲ ተግባር ሕንጸት ምንጪ ኢዩ” ብዝብል ኣርእቲ ተመሪሑ፣ ወለዲ ኣብ ናይ ደቆም ሕንጸት ዘለዎም ማእከላይ ሥፍራ ዘነጽርን፣ ብፍላይ ድማ ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ቅልውላው ክቡራት ዋጋታት ዝረኣየሉ ብምዃኑ፣ እዚ ኩነት’ዚ ኣዚዩ ንመንሰይ ወለዶ ዘጥቅዕን በዚ ርእየት’ዚ ናይ ጽባሕ ናይ ሕዝብን ሃገር ኩነት እንታይ ከምዝመስል ቅድመ ግምት ምውሳድ ዝከኣል እዩ። ስለዚ እቲ ናይ ጽባሕ ኩነት ሕዝብን ሃገርን ውሑስ ዝገብር ሕንጸት ወሳኒ ብምዃኑ፣ ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ኣምር ሰብ ሓዳር ኣብ ቅልውላው ጥራሕ ዘይኮነስ፣ መሠረታዊ ትርጉሙ እውን ተሳሒቱ፣ ኣብዚ ዓይነት ጉጉይ ርድኢት ኣምር ሰብ ሓዳር ተመሥሪቱ ዝቐውም ሥድራ ቤት ወለዲ ንናይ ሕንጸት ደቆም መሠረት ኢዮም ዝብል ሓላፍነት ኣብ ቅልውላው ዘውድቕ ምዃኑ ብዛዕባት እቲ መደብ ዘተ ኣብ ካቴድራል ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ቃለ ምልልስ ዝገበሩ ናይ ሮማ ሰበኻ ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣጎስቲኖ ቫሊኒ ሓቢሮም፣ ሕንጸት ምቕራብ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ሕንጸት ዘቕርብ ኣብነት ኮይኑ ክርከብ ኣለዎ። ወለዲ በቲ ዝተቐበልዎ ምሥጢረ ተክሊል ዝነብርዎ መወስቦኣዊ ፍቕሪ ብሕይወትን ቃልን ኣብነት ኮይኖም ክርከቡ ይግባእ። ስለዚ ትኽክለይና ትርጉም መወስቦኣዊ ፍቕሪ ብመደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መሠረት ንወለዲ ምሕናጽ ንሓድሽ ወለዶ ምግዳስ ማለት ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.