2012-03-03 15:56:42

ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ፦ “ዳግማይ ግንዛቤ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን”


ኣብ ፈረንሳ ናይ ሳይንት ልዊስ ደ ፍራንስን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ፈረንሳ ልኡከ መንግሥትን ኣብ ሮማ ግዳመ ግዝኣታዊ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥብብ ብምትሕብባር RealAudioMP3 ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን “ዳግማይ ግንዛቤ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተምፈርሔ ታሪኻውን ቲዮሎጊያውን መዳያቱ ዝድህስ ሽዱሽተ ርክባት ዘጠቓለለ ዓውደ መጽናዕቲ ቅድሚ ትማሊ ከምእተኸፍተ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
እዚ ዓውደ መጽናዕቲ’ዚ ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ሰነዳት ኣርባዕተ ፍጻሜታቱን ዝተኣወጁ ሰነዳትን ዝምልከት ኮይኑ ንውህደት ዝኣመተ ኣብ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ሓባር ዘተ ዝምልከት ድንጋጌን ብዛዕባ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ውሳኔን ዘተኮረ ከምዝኾነ ናይ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ኤንሪኮ ዳል ኮቮሎ ብዛዕባ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘመልከቱ እንክፍለጥ፣ ብፁዕነቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ገበርዎ ቃለ ምልልስ ኣስዒቦም ኣብ ቅድሚ እቲ ብዙሓት ብዛዕባ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ሰነዳቱን ዝህብዎ ዝተፈላለየ ኣብ ገለ ገለ እውን ዝገራጨው ትርጉም ኣብ ግምት ብምእታው፣ ዝተረጋገጸን ውሑስን ዘተኣማምንን ትርጉም ንምሃብ ዝኣመተ ከምዝኾነን ብፍላይ ድማ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ሥልጣናዊ ትምህርቲ ዝእዘዝ ኢዩ። እቲ ቅዱስ ጉባኤ ሎሚ ብጥንቓቔ ክጽናዕ ዘለዎ ኢዩ። ስለዚ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብኹለ መዳዩ ትሕዝቶ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን እምነት ዘጉልሕ ኢዩ፣ ምስ በሉ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ነዚ ከም መሠረት ገይሩ ብመርሕነት ሥልጣናዊ ትምህርቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ውሑስን ዘይገራጨውን ሓደኣዊ ትርጉሙ ዘነጽር እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.