2012-03-03 15:58:12

ኣበው ቤተ ክርስትያን ምፍላጥ ሓዋርያት ከም ምፍላጥ ኢዩ


ኣብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበር ጥበብ ብቤት ማሕተም ቺታ ኑዎቫ ብዛዕባ ናይ ቤተ ክርስትያን ኣበው ሥነ ታሪኽን ሥነ ቅዱስ መጽሓፍን ቲዮሎጊያውን ፍልስፍናውን ጽሑፋቶምን ኣስተምህሮታቶምን RealAudioMP3 ዘጠቓልል ብተኻታተሊ መጽሓፍ ንምቕራብ ዝበገሶ ናይ ሕትመት መርሃ ግብሪ መበል 35 ዓመት ምኽንያት “ኣበው ቤተ ክርስትያን ምፍላጥ ሓዋርያት ከም ምፍላጥ” ብዝብል ዋና ኣርእስትን “ከመይ ጌርና ሎሚ ኣበው ቤተ ክርስትያን ከነንብቦም?” ብዝብል ሕቶ ከም ንኡስ ኣርእስቲ ገይሩ ዝምራሕ ናይ ሓደ መዓልቲ ዓወደ መጽናዕቲ ከምእተኻየደ ክምልክት እንከሎ፣ ናይ ሥነ ኣበው ቤተ ክርስትያን መጽናዕቲ ተቛም ኣጎስቲኒያኑም ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ሮበርት ዶዳሮ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ድሕሪ ታሪኽ ሓዋርያት ስዒቦም ዝመጹ ኣበው ቤተ ክርስትያን ጽሑፋቶም ትምህርትታቶምን ዝምልከት ኢዩ። ኣበው ቤተ ክርስትያን ብመለኮታዊ ጥበብን ሥነ ምርምርን ዕምቆት ዘለዎም፣ ኣብ ፍልጠት ጥራሕ ዘይኮነ፣ ኣብነት ዝተቐደሰ ሕይወት እውን ኢያቶም። ታሪኽ ናይዞም ኣበው ቤተ ክርስትያን ዘይጽንቐቕ ቤተ ሕንጸት ምዃኑ ኣረዲኦም፣ ካቶሊካዊ እምነትና ብሰፊሑ ካብዞም ኣበው ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ እምነትን ቅዱስ መጽሓፍን ንናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሓዋርያት ትምህርቲ ኣብ ዝሃብዎ ሥነ ትርጉም ዝተደገፈ ኢዩ። ስለዚህ መሠረት ካቶሊካዊ እምነትና ክንፈልጥ ግቡእና ኢዩ። ኣበው ቤተ ክርስትያን ክንብል ኣንኰለና እቶም ብኩላዊት ቤተ ክርስትያን ብወግዒ ተፈላጥነት ዝተውሃቦም ንኣብነት ቅዱስ ሄሮኒሞስ፣ ቅዱስ ሊዮነ ማኞ፣ ር.ሊ.ጳ. ጎርጎሪዮስ ዓቢይን ጎርጎሪዮስ ዘኑሲስ፣ ጎርጎሪያዮስ ዘናዚያንሱስን ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ጠቒሶም፣ መጽናዕቲ ሥነ ታሪኽን ትምህርትታትን ኣበው ንቤተ ክርስትያን ኣዚዮ ኣገዳሲ ኢዩ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ዝተፈላለዩ ሥልጣናዊ ኣስተምህሮታቶም ዝተሓላለፍዎ መልእኽቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ቅዱሳት ኣበው ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ጽሑፋትን ታሪኽን ኣመርኲይዞም ዘቕረብዎ ዓሚይቕ ኣስተምህሮታቶም እውን ዝምስክሮ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.