2012-03-01 13:59:35

ኩነታት ሶርያ ንሀገራት ሐቆፍ ማሕበ ሰባት የተሐሳስቦ ከም ዘሎ ተገሊጹ ፡


ወተሀገራት መንግስቲ ሶርያ ቀጻሊ ንመበል 26 ግዜ አም ሰሜናዊ ደማስቆስ ሆምስ ዝተባህለ ክፍለ ከተማ ብኸቢድ ብረት ከም ዝደብደቡን ናይ ብዙሐት ሰባት ሕይወት ይጠፍእ ከም ዘሎን ንብረት ይበርስ ከም ዘሎን ይንገር አሎ ።

ሆምስ ማእከል ተቃውሞ መንግስቲ ሶርያ ከም ዝኾነትን አብታ ሀገር ሱር ነቀል ዝደልዩ ሀገራዊ ቤት ምኽሪ ሶርያ ተባሂሎም ዝጽውዑ ተቃወምቲ መንግስቲ ሶርያ አብ ሆምስ ዓሪዶም ይቃለሱ ከም ዘለዉን ክአ ይፍለጥ ።

አብ ስዊትጸርላንድ አብ ጀነቭ ናይ ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ቤት ምኽሪ ሰብአዊ መሰላት ትማሊ ተአኪቡ ኩነታት ሶርያ ዘተኮረ ዘተ ከም ዘካየደ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና ሐበሬታ ሂቡ ።

አብ ስዊስ ትካላት ባይቶ ሕቡራት ሀገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ አቡነ ሲልቫኖ ማሪያ ቶማሲ አብቲ አኬባ ተሳቲፎም ከም ዝነበሩ ክፍለጥ ከሎ ድሕሪ ፍጻሜ አኬባ ቤት ምኽሪ ሰብአዊ መሰላት መግለጺ ሂቦ ።

ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ አቡነ ሲልቫኖ ማሪያ ቶማሲ ከም ዘመልክትዎ ። ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ እቲ አብ ሶርያ ዚካየድ ዘሎ ምፍሳስ ደም ደጋጊሞም ዘቅረብዎ ምሕጽንታ ነቲ ቤት ምኽሪ አዘኻኺሮሞ ።

አብ ስዊስ ቤት ምኽሪ ሰብአዊ መሰላት ነቲ መንግስቲ ሶርያ አብ ልዕሊ ዝቃወሞ ህዝቢ ዝወስዶ ዘሎ ጨካን ናይ ምቅታል ስጉምቲ አዝዩ ከም ዘሕዘኖን ሰብአዊ መሰል ሰብ ህዝቢ ሶርያ ከም ዝተጋህሰን ከም ዘረጋገጸ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ ።

ህዝቢ ሶርያ ብጠንቂ”ቲ አብታ ሀገር ዘሎ ፖሊቲካዊ ዘይምርግጋን ወተሀደራት መንግስቲ አብ ልዕሊ ሕጻናት ከይተረፈ ዝወስድዎ ዘሎዉ ናይ ዓመጽ ተግባርን ንጐረባብቲ ሀገራት ንቱርኪ ሊባኖስን ካልኦት ሀገራት ማእከላይ ምብራቅን ክስደድ ይግደድ ከም ዘሎ ቤት ምኽሪ ሰብአዊ መሰላት ባይቶ ሕቡራት ሀገራት ከም ዝተገንዘብ እቲ ዜና አተሐሒዙ ገሊጹ ።

ጉዳይ ሶርያ ምስቲ አብ ሀገራት ሰሜናዊ አፍሪቃ ዝተርእየ ህዝባዊ ናዕብን ውድቀት ምልካውያን ስርዓታትን ዘይመሳሰል ተነቃፊ አብ ማእከላይ ምብራቅ ዘይተሐስበን ዘይተደልየን ዓለም ለካዊ ቅልዋላው ክፈጥር ዝኽእል ከም ዝኾነን ስለዚ ሀገራት ሐቆፍ ማሕበረ ሰብ ብጥንቃቄ ክሕዞ ከም ዝግባእን ናይ ፖሊቲካ ተዓዘብቲ የመልክቱ ።ጉዳይ ሶርያ ንቱርኪ ንሊባኖስ ብፍላይ ክአ ንኢራንን እስራኤልን ዝትንክፍ ከም ዝኾነ ክአ ይገልጹ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ርእይቶን ትዕዝብትን ቅድስቲ መንበር ማለት ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብሰብአዊ ዓይኒ ከምትርእዮን ህዝቢ ናይቲ ናዕብን ዓመጻትን ግዳይ ይኸውን ስለዘሎ ደም ምፍሳስ ተገቲኡ ሰላማዊ ዘተ ክካየድ ትደፍአሉ ዘላ ጉዳይ ከም ዝኾነ አብ ስዊትጸርላንድ አብ ተቅዋማት ባይቶ ሕቡራት ሀገራት ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ አቡነ ሲልቫኖ ማሪያቅ ቶማሲ አገንዚቦም ።

ነቲ አብ ዝተፈላለዩ ክሊታት ሶርያ ዝቆሰለን መግቢ አልቦ ዝተረፈን ህዝቢ ህጹጽ ረዲኤት ክበጽሖ ክአ ብጥብቂ ከም ተተሐሳስብ ወሲኾም አመልኪቶም።

ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ አቡነ ሲልቫኖ ማሪያ ቶማሲ አብ ጀነቭ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር አብ ተቅዋማት ባይቶ ሕቡራት ሀገራት አብ ሶርያ ከምቲ አብ ዒራቅ አብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ማሕበረ ሰባት ሱኒቲ ሽዒቲ ከምኡ ክአ ኩርዲ ዝርኤ ዘሎ ምስሕሐብ፡ ሶርያ ዘቆሙ ማሕበረ ሰባት ሱኒቲ ሺዒቲ ዓላዊቲ ክርስትያንን ኩርድን ዘይምቅዳው ከይፍጠር ስግአት ከም ዘለዋ ሐበሬታ ሂቦም አሎዉ ።

እዞም ዝተጠቅሱ ማሕበረ ሰባት ንነዊሕ ዘመናት ብሰላም ዝነብሩ ከም ዝነበሩ ታሪኻዊ መርትዖ ከም ዘሎን እዚ ክዕቀብ ዘለዎ ከም ዝኾነን ክአ ገሊጾም ።

አብ ሶርያ ዘይምርግጋእን ኲናት ሕድሕድ ማሕበረ ሰባትን እንተተኸሲቱ፡ አብ ማእከላይ ምብራቅ ምግትኡ ዘሸግር ህውከት ከስዕብ ከም ዘኽእል ክአ አሚቶም።

ዓለም ለኸ ማሕበረ ሰብ አብ ሶርያ ወተሀደራዊ ጣልቃ ክአቱ አይደለየን ሰብአዊ ረዲኤት ናብታ ሀገር ክአቱ አይተኻእለን እዚ ዝተሐሳስብ ጉዳይ ኮይኑ ከም ዘሎ ክአ ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ አቡነ ሲልቫኖ ማሪያ ቶማሲ አብ ጀነቭ ተቅዋማት ባይቶ ሕቡራት ሀገራት ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር አመልኪቶም ።








All the contents on this site are copyrighted ©.