2012-03-01 14:23:11

ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶነሊ፦ “ሥድራ ቤት ናይ ማኅበራዊ ጥምረት ቀንዲ ረቛሒ ኢዩ”


ቅድሚ ትማሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሓልዮ ሥድራ ቤት ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኤኒዮ ኣንቶነሊ ብሓባር ምስ ናይ ሚላኖ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ስኮላ ብምኽንያት እቲ ካብ ዕለት 30 ግንቦት ክሳብ ዕለት 3 ሰነ 2012 ዓ.ም. ኣብ ሚላኖ ከተማ ንኽካየድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 RealAudioMP3 ዝወሰንዎ ሻብዓይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ሥድራ ቤት መደባቱን ከምኡ እውን ቅዱስ ኣቦና ብምኽንያት እቲ ጉባኤ ኣብ ሚላኖ ካብ ዕለት 1 ሰነ ክሳብ ዕለት 3 ሰነ 2012 ዓ.ም. ነኻየድዎ ዝመደብዎ ሐውጾተ ኖልዎ መሠረት ብሓባር ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሃብሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንከመልክት፣ ድሕሪ እቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ናይ ሥድራ ቤት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ ወንበር ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶነሊ ምስ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሉካ ኮላዲ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፣ ሰበኻ ሚላኖ እቲ ሻብዓይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ሥድራ ቤት ንምእንጋድ ቅድመ ምቅርራባቱ ብዘዕግብን ዘሕጉስን ተጋዳስነት የሳልጥ ከምዘሎ ብቐረባ ከምእተመልከትዎን፣ እቲ ሻብዓይ ጉባኤ፣ ኣብ መላእ ዓለም ባህልታትን መልክኣ ምድረ ካቢታትን ርድኡ ዝኾነን ልዑል እዋናውነት ብዘለዎ “ሥድራ ቤት፤ ዕዮን በዓልን” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝምራሕ ምዃኑ ሓቢሮም፣ እቲ ጉባኤ ሥድራ ቤት ብሉጽ ሥፍራ ባዕላዊ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘመልክት ቤተ ክርስትያናዊ መዳዩን ከምኡ ድማ ሥድራ ቤት ዓቢይ ሃብቲ ናይ ኅብረተሰብ ምዃኑ ኣብ ዝሕብሩ ክልተ ጎድንታት ዘስተንት ከምዝኾነን፣ በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም ዝተፈጸመ መጽናዕቲ ሥነ ኅብረተሰብ መሠረት ዝቐረበ ሰነድ “ሥድራ ቤት ክቡር ዋጋን ንናይ ማኅበራዊ ጥምረትን ምዕባለን ቀንዲ ረቛሕን” ምዃኑ ዘረጋግጽ ቅዉም ነገር ዘጉልሕ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሚላኖ ተሓቲሙ ንንባብ ክበቕዕ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ እዚ ድማ ሥድራ ቤት ብባህልን ኤኮኖምን ፖለቲካን ብሕጋዊ ሥልጣንን ብባዕሉ ብኅብረተሰብ እውን ክድገፍ መሰሉ ከምዝኾነ ዘነጽር ሓሳብ እዩ ኢሎም።
ቅዱስ ኣቦና ብተደጋጋሚ ሥልጣናት ብኄር ንሥድራ ቤት ብተገዳስነትን ኣተኩሮን ክምልከትዎ ከምዘተሓሳስቡ ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶነሊ ጠቒሶም፣ በዚ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ቅዱስ ኣቦና ብዝለዓለ ደረጃ ሥድራ ቤት ክቡር ዋጋ ከምዝኾነ ዘነጽር ምእንቲ ሓልዮ ሥድራ ቤት ምኽሪ ክልግሱን ኣስተምህሮታት ከቕርቡን ዝርኤ ኢዩ፣ ሥድራ ቤት ኣብ ቤተ ክርስትያንን ኅብረተሰብን ቀዳምነት ክህልዎን ክወሃቦን የተሓሳስቡ ኢሎም።
ማኅበር መጋባእያ ሥድራ ቤት ኣቦ ወንበር ፍራንቸስኮ በለቲ ብወገኖም ምስ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኤማኑኤላ ካማፓነሊ ኣብ ዝገበርዎ ቃል መሕትት፣ እቲ ኣብ ሚላኖ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ሥድራ ቤት ርእሰ ጉዳይ፣ ሥድራ ቤትን ግዜን ዘተሓሕዝን ኣዋን ዕዮን ሥድራን ክሰማምዑ ከምዘለዎ ዘተሓሳስብ ኢዩ። እዚ ተገሊጹ ዘሎ ግዜ ድማ በዓል ብዝብል ስም ክልለይ ተገይሩ ኣሎ። በዓል ክብል እንከሎ ዕለተ ሰንበት ብውሳጠ ተፈላጥነት ዘጠቓልል ኮይኑ፣ ብዓለ ሊጡርጊያ፣ ካብቲ ናይ ሰሙን ዕለታዊ ናብራ ድኻምን ጾርን ዝናግፍን መንፈስን ሥጋን ዝሕድስ ኢዩ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ሕይወት ሥራሕን በዓልን ናይ ሥድራ ቤት ዘይተርፍ ተሰንዩ ዝመጽእ ሓቀይናን እወታውን ተመክሮ ሕይወት ዝምልከት ምንዃኑ የዘኻኽሩ፣ እዚ ድማ ሥራሕ ናይ ሕይወት ባህሊ ዘማእክለ ክኸውን ከምዘለዎ ዘተሓሳስብን፣ ብኻልእ ጎድኑ ኣገባብ ሥድራ ቤት ዝምልከት ኣውን ኢዩ። ስለዚህ ናይ ዕረፍቲ ግዜ፣ ናይ ተራኻብነትን ናይ ሕድ ሕዳዊ ተደጋጋፍነትን ሕንጸትን ዘመልክት እምበር፣ ባዶ ግዜ ወይ ድማ ብዘይ ሸቶ ዝጓዓዝ ግዜ በጻሒ ዘመልክት ኣይኮነን፣ ሥድራ ቤት ኣህላኺ ኣካል ጌርካ ክሕሰብ ዝገብር ናይ ምዕራብ ሃገራት ኤኮኖምን ፖለቲካውን ሥነ ሓሳብን ተግባርን ዘቕርቦ ብድሆ ንምብዳህ ሥድራ ቤት ዘማእከለ ፖለቲካን ኤኮኖምን ናይ ግድን ኢዩ። ኣብ ሥድራ ቤት ዘይተማእከለ ኣብ ሰብኣውነት ዘይማእከል ምዃኑ እቲ ናይቲ ጉባኤ ኣርእስቲ የረጋግጾ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.