2012-02-27 18:52:14

ሰንበት ዘቅድስት የካቲት 18 2004 ዓ.ም. (26 የካቲት 2012)


መዝሙር፡ ግነዩ ለእግዚአብሔር ወጸውዑ ስሞ. . . . ።
ንባባት፡1 ተሰሎ. 4፡1~13፥ 1ጴጥ. 1፡13~ፍ፥ ግ.ሓ. 10፡7~30፥ ማር.1፦12~15
ስብከት፡ “እግዚአብሔርሰ ሰማያት ገብረ፥ አሚን ወሰናይት ቅድሜሁ። ቅድሳት ወዕበየ ስብሓት ውስተ መቅደሱ” “እግዚአብሔር ግና ሰማያት ገብረ፥ ግርማን ክብርን ይኸቦ፥ መቕደሱ ኸአ ብኃይልን ጽባቐን ምሉእ እዩ” መዝ። 96፡5።
መዝሙር፡ ንእግዚአብሔር አገልግልዎ ስሙ ጸውዑ ተግባራቱ ነሕዛብ ንገርዎም ንስሙ ክብሪ ሃቡ። ንጽድቂ ተገዝኡ መዝገብኩም ነቐዝ አብ ዘየንቅዞ ሠራቒ አብ ዘይረኽቦ አብ ሰማይ ዕቖርዎ፥ ስንድዋት ኩኑ አብቲ ክርስቶስ ዘለዎ ንበሩ፥ ናይ ላዕሊ ሕሰቡ አብኡ መዝገብ ተዓቚርልና አሎ እሞ ንብጻይና ነፍቅር ርእስና ነትሕት ሰንበት ነኽብር” እናበለ ሕይወትና ምስ አምላኽን ሰብ ዘለዎ ክሕዞ ዝግብኡ መገዲ የዘኻኽረና። ጉዳይ ሰማይ ተነቃፊ ብቐሊል ዘይመልክዑ ክነልብሶ ሰል እንኽእል ዓብ ምስትውዓል ከም ዘድልየና የዘኻኽረና።
እዋን ጾም አቲና አሎና። ፍሉይ እዋን ምስ አምላኽን ሰብን ዕርቂ ገርና ንሓዲስ መንፈሳዊ ጉዕዞ ክንጉዓዝ ዕድል ዝኸፍተልና እዩ። ሰብ ምስ አምላኹ ክዕረቕ እሞ አብ ሰላም ቅሳነት ክንብር ዝሕግዝ ቅዱስ እዋን። እግዚአብሔር ነዚ እንአትዎ ዘሎና ጊዜ ክንጥቀመሉ ኢሉ ብቤተክርስትያኑ ገሩ ይዛረበና አሎ።
ጾም ክንብል ከሎና ንርእስና መሊኽና አብ ጉዳይ አምላኽ ቀዳምነት ሂብና ቅዱስ ሕይወት ክነብር ምእንቲ እዩ። ዝጸውም ንሓዲስ ጉዕዞ ሕይወት ክጉዓዝ እሞ ሓዲስ ርክብ ምስ አምላኽን ሰብ ክፈጥር ፍቓደኛ ዝኸውን እዩ። ኢዮኤል ነቢይ አብ ካልአይ ምዕራፍ ትንቢቱ ንደቂ እስራኤል “ አብ እምባ ጽዮን መለኸት ንፍሑ ጾም አውጁ አኸባ ጸውዑ ሕዝቢ አክቡ ቅዱስ ጉባኤ ኸም ዘሎ ንገሩ አረገውቲ አክቡ ቄልዑ ጡብ ዚጠቡውን አክቡ. . . .”(2፡12~17) እንበለ ንሓዲስ ርክብ አምላኽ ክምስርቱ ሓዲስ አዋጅ ይነግሮም ። ቤተ ክርስትያን ዓመት ዓመት ነዚ መንፈስ ክንለብስ ኢላ ጾም ትእውጀልና። ስርዓት አይኮነን ንአምላኽ ክንረክብ ክሕግዘና ምእንቲ እዩ። ካብ አምላኽ ዝጠፍኤ ብዝዓረቦ ይዕረቦ አይብሃልን እዩ እዩ ስለዚ ክንምለስ አብቲ ቤት አቦና ሎሚ እውን ዕድመ ይልአኸና አሎ ንስምዓዮ።
ሎሚ ዝተነበልና ወንጌል ማርቆስ ኩሉ ብአምላኽ ዝተሓርየ ህዝቢ ቅድሚ ነቲ ዝውሃቦ ተልእኮ ምጅማሩ ክኸዶ ዝግብኦ ናይ ምንጻሕ እዋን ከምዘሎ ይነግረና። ምሩጽ ህዝቢ እስራኤል አብ በረኻ ሲናይ ነርብዓ ዓመት አሕሊፎም አብኡ ፈተነታትን መከራን አሕሊፎም ቅድሚ ንምድሪ ተስፋ ምእታዎም፡ ሙሴ አብ ደብረ ሲና አርባዕ መዓልትን ለይትን ገሩ ቅድሚ ዓሰርተ ትእዛዛት ምቕባሉ። ኩሎም ዓበይቲ ነብያት ቅድሚ ቃል አምላኽ ምስባኾም ናይ ምንጻሕ ስርዓት ከም ዝፈጸሙ ንርኢ። ኢየሱስ ብሰይጣን ምእንቲ ክፍተን አርብዓ መዓልትን ለይትን አብ በረኻ አሕሊፉ። ማቴዎስን ሉቃስን ነዚ ፈተና ኢየሱስ አብ ሰለስተ ደረጃ ገሮም አብ ሰለስቲኡ ብዓወት ኢየሱስ ከምዝተዛመመ ገሮም ይገልጽዎ። አብ ማርቆስ ዘተኩሮ እዚ እንነብረሉ ዓለም ናይ ፈተና ቦታ ከምዝኾነ ከም አምሳል ገሩ የቕርበልና። ኩሉ ዝንገር ናይ አጋጣሚ ነገር አይኮነን ብምንፈስ ቅዱስ ዝተመርሐ እዩ። አብ በረኻ ዘፍርሕን ዘሐጉስን ነገራት ብሓባር ይርከቡ። ዘፍርሑ እንስሳታት በረኻን ዝድነቑ ናይ ተፈጥሮ መልክዕን ይርከቡ። መላእኽትን ሰይጣውንትን ይርከቡ። እዚ ናይ በረኻ ተመክሮ ንኢየሱስ ንሰማይዊ ተልእኮኡ ክጅምር አፍደገ ይኸፍተሉ። ኢየሱስ ተልእኮኡ አብ ገሊላ ይጅምሮ እዚ ንማርቆስ እቲ ዝተፈትወ ከባቢ እዩ። አብዚ ኢየሱስ ብዙሕ ዓወት ዝመልኦ ተልእኮ ይፍጽም፡ ዝልአኽዎ 12 ሓዋርያት አብዚ ቦታ ይመርጽ፥ ድሕሪ ትንሣኤኡ ንሓዋርያቱ አብዚ ቦታ ይረኽቦም፥ ዮውሓንስ መጥምቅ ናይ ምስንዳው ግዚኡ ከምኡ አብዚ አከባቢ ተቐቲሉ ስለዚ እዚ ቦታ ንማርቆስ ንኹሉ ናይ ኢየሱስ ተልእኮ ማእከል ገሩ ስለ ዘቕርቦ ፍሉይ አትክሮ ክንህቦ ይሕግዘና።
አብ በረኻ ሰባት አብ ርእሶም አትዮም ሓዲስ ሕይወት ክመርሑ ከም ዝክእሉ ንርኢ። ብርግጽ አብ በረኻ አብ ጽምዋ ኮንካ ብዙሕ ክትገብር ይክአል ንእትኸዶ መገዲ አነጺርካ ክትርኢ ይክአል ከምኡ አብ በይንኻ ኮንካ ብፈተና ክትሓልፍ ከሎኻ እቲ ውጽኢት ዘዕግብ እዩ። ሎሚ አብ በርኻ ልብና አቲና መገዲ አምላኽ ክንሕዝ ንዕደም አሎና። ጉዕዞና ምስ ኢየሱስ ንጀምሮ። ንሱ ምሳና አሎ። ንሱ ናይ በረኻ ጉዕዞኡ ፈጺሙ ምሳና ክጉዓዝ አሎኹ ይብለና አሎ። ካባና ዝደልዮ ነቲ ንሱ ዝብሎን ዝደልዮን ጽን ኢልና ክንክእል። ጊዜ ጾም ኻብቲ ሓደ ፍሉይ ዝገብሮ ንድምጺ አምላኽ ጽን ኢልካ ምኽአል። መንፈስ አምላኽ አብ በረኻ ጸሎትን ተጋድሎን ክወስደና አብቲ አብዚ ዓለም ዘድልየና ነገራት ክወስደና ይደሊ አሎ። ሎሚ ንሰይጣን ክንስዕሮ እሞ መንፈስ አምላኽ ክንለብስ እዩ ዝድለ ዘሎ። ሰይጣን ክንዕወተሉ ንመገዱን መንፈሱ ክንሓድግ ይደልየና አሎ።
አብ መንፈሳዊ ጉዕዞ ባህጊ ጥራይ እኹል አይኮነን፥ ተሪር ውሳኔ ክንወስድ እሞ አብ ሕይወትና ምስቲ ካብ አምላኽ ዝፈልየና ነገራት ውግእ ክንእውጅ ክንረባረብ ሽኡ ናይ ዓወት መዝሙር እናዘመርና ክንወጽእ እዩ እቲ ዝድለ ዘሎ። ካብ ጥልላት ካብ ገለ ነገራት ተኸልኪልና ግን ንአምላኽ አብ ልብና ቦታ እንተ ዘይሂብናዮ ጾምና ፈሪሳውነት ዝለበሰ ስለ ዝኸውን ፍሪኡ ውሑድ እዩ። ንሓቀና ጾም ክንአቱ እዩ እቲ ድላይ አምላኽና።
መንፈስ አምላኽ ካብቲ ዘሎናዮ ዓዘቕቲ አውጺኡ አብ መአዲ ነጻነትን ሓጎስን ዝመልኦ ሕይወት ክንአቱ ዕድል ይህበና አሎ። ጾም እምብአር ንመንፈስ አምላኽ ጽን ክንብል እሞ ክንምለስ ዕድል ዝኸፍተልና ቅዱስ ዋን እዩ። ሓወይ ሓፍተይ ንመንፈስ አምላኽ መልሲ ክትህብ ስንድው ዘሎኻ ዘሎኺ እናበልና መልሲ ነቲ ዓዳሚ አምላኽ ክንህብ ስንድዋት ንኹን።
እዋናት ጾም እዋናት ንስሓ እዮም። ንኃጢአትና ክንእመን እሞ ብእከየ ወበዓቢ እከየ እናበልና ልብና እናወቓዕና ንስሓ ክንአቱ። አብ መአዲ ንስሓ ክአቱ ፍቓደኛ ዝኾነ ሰብ ዕዉት እዩ። ሎሚ ንሰብ ጸጊምዎ ዘሎ ንኽፍአቱ ክርኢ ዘይምኽአሉ እዩ። አብ ናይ ሓሶት ዓለም እናነበረ ንሕይወቱ ዘይመልክዑ አልቢሱ ምሩኽ ሰይጣን ኮይኑ ድነ ጸልማት ከዲንዎ እንከሎ አብ ብርሃን አሎኹ እናበለ ዝነብር ኮይኑ አሎ። ነዚ ሓሳዊ ሕይወት ክንስዕር ሎሚ ንስሓ አቲና ብኽፍአትና ተአሚና ምስ መድሕና ዕርቂ ክንፍጽም ንሕተት አሎን።
ጾምና ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ክኸውን እምብአር ነቲ ልሙድ ስርዓት ክንፍጽም አሎና። ጾም ጸሎት፥ ምጽዋት ክነዘውትር ፍቓደኛታት ንኹን። “ክትጾሙ ከሎኹም ንስለ ስርዓት አይትግበርዎ” ይብለና መድኅና። አብ ውሽጥና አቲና ዘተ ምስ ሰማያዊ አቦና ንእቶ። አፍደገታት ሕልናና ዓጺና ምስ አምላኽ ጥራሕ ንራኸብ። እምብአር ሎሚ ሱባኤ ንጅምር አሎና አብ መወዳእታ ነቲ ዝድለ ፍረ ክንጭብጥ እምብአር ብሓቀኛ መንፈስ ንጀምሮ።
ኢየሱስ ካብ በረኻ ክምለስ እንከሎ “መንግስቲ አምላኽ ቀሪባ እያ እሞ ተነስሑን ብወንጌል እመኑን” ከም ዝበለ ነንፍስ ወከፍና ነዘን ቃላት ይደግመልና አሎ። ንሓቀኛ መገዲ ክንሕዝ እሞ ሕይወትና ክንሕድስ ንዕደም አሎና። ምስ ኩሉ ግዕዙይ ሕይወተይ አብ ቅድመኻ ቀሪበ አሎኹ ተቐበለኒ እናበልና ነዚ ቅዱስ ጉዕዞ ጾም አርብዓ ንጀምሮ። መሓርን ፈቃርን አምላኽ ብርሃን ጸግኡ ሂቡ አብኡ ንምለሰሉ ጸጋ ይዓድለና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.