2012-02-23 12:51:24

ራዲዮ ቫቲካን፦ መደብ ራዲዮ ጾም ኣርብዓ


ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ብራዲዮ ቫቲካን ብኽፍሊ ኣድማስ ክርስትና ኣብ እዋን ጾም ኣርብዓ ኣብ ርእሲ ሓሙኲሽቲ ናይ ምንስናስ ሥርዓት ሊጡርጊያ ዝፍጸመሉ ዕለት RealAudioMP3 ረቡዕ ጀሚሩ ካሳብ ጾም ዝፍትሓሉ ዕለት ዝቕጽል መደብ ራዲዮ ጾም ኣርብዓ ትማሊ ከምዝጀመረ ክፍለጥ እንከሎ፣ እዚ ብቋንቋ ጣልያን ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ናይ ምሸት ሰዓት 7፣15 ዝፍነው መደብ ኮይኑ ድግማ ናቱ ለይቲ ሰዓት 11፣45 ዝቐርብን ናይ ብጹዕ ኣቡነ ማተዮ ማሪያ ዙፒ 40 ኣስተንትኖ ዘጠቓለለ ብጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ክፍሊ ኣድማስ ክርስትና ሞኒያ ፓረንቲ ዝምራሕ ኢዩ።
እዚ ናይ ለምዘበን መደብ ራዲዮ ጾም ኣርብዓ “ከምቲ ምሉእ ዕለት” ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ ኮይኑ፣ ካልኣይ ናይዚ መደብ ራዲዮ ጾም ኣርብዓ 18 ናይ ብፁዕ ኣቡነ ማሲሞ ካሚሳስካ ኣስተንትኖ ዘጠቓለለን ብጋዜጠና ራዲዮ ቫቲካን ክፍሊ ኣድማስ ክርስትና ሮዛሪዮ ትሮኖሎነ ዝቐርብ ክኸውን እንከሎ፣ እዚ ካብ ሎሚ ዕለት 23 ለካቲት ክሳብ ዕለት 31 መጋቢት 2012 ሓሙስን ዓርብን ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት 05፣30 ቀዳም ድማ ሰዓት 2፣30 ዝቕርብ መደብ ኮይኑ ንጽብሒቱ ንጎሆ ሰዓት 06፣00 ድግማ ናቱ ከምዝመሓላለፍ እናሓበርና ብናይ ራዲዮ ቫቲካን ድረ ገጽ እውን ክትከታተልዎ ከምእትኽእሉ ነዘኻኽር።







All the contents on this site are copyrighted ©.