2012-02-22 09:20:47

ር ሊ ጳ በነዲክቶስ ንሐደስቲ ካርዲናላት ተቀቢሎም ቃለ ምዕዳን ሂቦም ፡


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝሐለፈ ሳልስቲ 22 ሐደስቲ ካርዲናላትከም ዝሰየሙ ክዝከር ከሎ ፡ አብቲ አብ ቅዱስ ጰጥሮስ ካተድራል ዝተኻየደ ስያሜ ካርዲናላት በማእት ዝቁጸሩ አባላት ቤተ ክህነት በሽሐት ዝቁጸሩ ምእመንናን ናይ መንግስቲ ሰበስልጣናት አብ ቅድስቲ መንበር ዝተመደቡ አምባሳደራት ተረኺቦም ከም ዝነበሩ ዝዝከር ኢዩ ።

በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ነቶም ካርዲናላት ምስ ቤተ ሰቦምን ፈተውቶምን አብ አዳራሽ ጳውሎስ ሻዱሻይ ዝተረኽቡ 22 ሐደስቲ ካርዲናላት ከም ዝተራኸቡ ክምልከት ከሎ ሐድነት ቤተ ክርስትያን ከከላኸሉ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ብርሃን ንመላእ ዘርኢ ሰብ ከብጽሑ አተሐሳሲቦሞም ።

ትርጉም ካርዲናልነት ናይ አገልገልቲ አገልጋሊ ዝኾነ እግዚአብሔርን ንፍጡራቱን ምግልጋል ማለት ከም ዝኾነ ክአ አገንዚቦም ።

አተሐሒዞም ወላኳ አብዚ ግዜ”ዚ አብ ቤተ ተክርስትያን ፈርገጠገጥን ተቃራኒ ነገራትን ይርአዩ እንተላዉ ቤተ ክርስትያን ወትሩ ህልውቲ ኢያ ኢሎም ።

ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ እዚ ዘበሎም ምናልባት ብዛዕባ”ቲ ዝሐለፈ ክልተ ሰሙን ካብ ቫቲካን ብሕቡእ ዝወጸ ግን ክአ ሐቀኛ ትሕዝቶ አለዎ ክብሃል ዝክአል ምስጢራዊ ሰነድን አብ ልዕሊ ቤተ ክርስትያን ዘኸተሎ አሉታዊ ስእልን ዘኪሮም ክኾኑ ከም ዝክእሉ ይግመት ።

ዝኾነ ኾይኑ በነዲክቶስ ምስቶም ሐደስቲ ካርዲናላት አብ ዝተራኸብሉ ግዜ ቀጺሎም ከም ዘመልከትዎ ፡ ሐድነት ቤተ ክርስትያን መለኮታዊ ህያብ ስለዝኾነ ክምዕብል ዘለዎ ከም ዝኾነ አመልኪቶም።

ምእመናን ብሕብረት ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያም ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ምስቶም ሐደስቲ ጓሶት ነፍሳትን ክተሐባበሩ ክአ ተማሕጺኖም ።

ስያሜ 22 ሐደስቲ ካርዲናላት ንዓለም ለኻዊ ተልእኾ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሐይሊ ንምሀብ ከም ዝኾነ ጠቂሶም ክአ ብጹዓን ሐደስቲ ካርዲናላት

ተቢዖም ዜና ሰናየ ንህዝቢ ዓለም ከስምዑ ተላብዮሞም ።

አብ ሞንጎ ምእመናን ጓሶት ነፍሳት ካርዲናላት ጳጳሳት ካህናት ዘሎ ርክብ ክሕደስ ክድልድል ከም ዝግባእ ክአ በነዲክቶስ አገንዚቦም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ምስቶም 22 ሐደስቲ ካርዲናላት ምስ ቤተ ሰቦም አብ አዳራሽ ጳውሎስ ሳዱሻይ አብ ዝተራኸብሉ ግዜ ብትሽዓተ ቋንቋታት ከም ዝተዘረቡ ክምልከት ከሎ ብቋንቋ ፈረንሳ አብ ዝተዘራብሉ ግዜ ፡ አብዚ እዋን”ዚ ዓለም ለኻዊ ሕብረተ ሰብ ነጸብራቅ ብርሃን መድኅኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ የድልዮ ከም ዘሎ አመልኪቶም ።

ግዜ ጾም ከም ዝቀረበ ጠቂሶም ክአ ግዜ ጾምን ጸሎትን አስተንትኖን ናብ እግዚአብሔር ከም ዘቅርበና አዘኻኺሮም ጾም ጸሎት ክርስትያናዊ ግዴታ ከም ዝኾነ ክአ አገንዚቦም ።

ሕብረተ ሰብ ዓለም ካብ ፈጣሪኡ ክርሕቅ መንፈሳውን ሞራልውን ሕይወት ክስሕት ይርኤ ስለዘሎ ምእንቲ”ዚ ቤተ ክህነትን ምእመናንን ክጾሙን ክጽልዩን ክአ አተሐሳሲቦም።

ስስዔን ፍትሒ አልቦነትን ካብ እግዚአብሔር ከም ዘርሕቅ ጠቂሶም ተልእኮ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንህዝበ ክርስትያን ናብ እግዚአብሔር ዘሰጋግር ድልድል ከም ዝኾነት አባላታ ብአምሳል እግዚአብሔር ዝተፈጥረ ሰብ ካብ ፈጣሪኡ ንኸይርሕቅ ምኩስኳስን ክርስትያናዊ ሞራል ምምሀር ምክንኻንን ከም ዝኾነ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነድኪቶስ አመልኪቶም ።

ጾም ብጸሎትን አስተንትኖን ስቅታን ተሰንዩ እንተተኻይዱ ንዝመጽእ ዘሎ ትንሳኤ ክርስቶስ ብክርስትያናዊ አገባብ ክትሰናዶን እምነትካ ክተሐድስን ይሕግዝ ክአ ኢሎም ።

ጾም ጸሎት ሰናይን እኩይን ፈላሊኻ ክትግንዘብ ሕልናኻ ክትምርምር ከም ዝረድአካ ክአ አገንዚቦም። ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሐደስቲ ካርዲናላት ሐዊስካ ብ213 ካርዲናላት ዝቆመ ጉባኤ ከም ዝህልውዋ ክምልከት ከሎ ፡ካብአቶም 125 ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎም እቶም ዝተረፉ 88 ናይ ምምራጽ መሰል ዘይብሎም ከም ዝኾኑ አብ ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ አነጺሩ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.