2012-02-21 14:50:15

ሓድሽ ሥዩም ብፁዕ ካርዲናል ኮሊንስ፦ “ቤተ ክርስትያንካ ምግልጋል ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ዕላማ ምግልጋል ኢዩ”።


ዝሓለፈ ዕለት 19 ለካቲት 2012 ዓ.ም. ካብቶም ብውሳኔን ካብ ኢድን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ሢመተ ካርዲናል ዝተቐበሉ ኣብ ካናዳ ናይ ከተማ ቶሮንቶ ሊቅ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ቶማስ ክሪስቶፈር ኮሊንስ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ናይ ሓደ ከተማን ወይ ድማ RealAudioMP3 ከባቢ ብፁዕ ጳጳስ ብዝበለጸን ብተወፋይነት ንኵላዊት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ከገልግል እንተድኣ ኮይኑ ነታ ንሓዋርያዊ ጉሥነት ዝተውሃበቶ ካባቢኣዊት ቤተ ክርስትያን ብዝበለጸን ብተወፋይነት ምግልጋል ይግባኦ፣ እዚ እቲ ቀንዲ ናይ ኣገልግሎት ሓላፍነት ከምዝኾነ እውን ቅድስ ኣቦና ኣነጺሮም ገሊጸምዎ ኢዮም። ኣብ ገለ ገለ ከባቢታት ቤተ ክርስትያን ዘጋንፋ ብድሆ ናይ ስደትን ስቓይን ኮይኑ ምእንቲ ክርስቶስ መሥዋዕትነት ዝኽፈሎ ኩነት ዘነጽር ኢዩ፣ እዚ እቲ ዝዓበየን ዝለዕለን ምስክርነት ክኸውን እንከሎ። ኣብ ካልኦት ሃገራት ንኣብነት ካብታ ኣብ ከቢድ ስቓይ እትርከብ ቤተ ክርስትያን ዘላትሉ ሃገር ናብ ካናዳ ዝተሰዱ ዜጋታት ናይ እምነት ተመክሮ ማህበረ ክርስትያን ካናዳ ክኸውን እንከሎ፣ ካናዳ ከም ምዕራባዊት ሃገር፣ ነታ ኣብ ካናዳ እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዝፈታተና ብድሆ፣ ሃይማኖትን ሃልኪን ዝተኣሳሰረ ከይዲ ኣነባብራ ኢዩ፣ ቤተ ክርስትያን ምልከ እግዚኣብሔርነት እተስፍሕ ፍትኃ ብሔር እትሕንጽጽ ኣይኮነትን፣ ቅድስና ሕይወትን ናይ ሕይወት ባህልን ብምስፋሕ ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ልዑል ኣስተዋጽኦ ተበርክት ቢሎም፣ ብውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ነዚ ናይ ኣገልግሎት ማዕርግ ክሕረን ካብ ኢዶም ክቕበሎን ዓቢ ሓጎስ ዝተሰምዓኒ እንከሎ፣ እቲ ሓጎስ ካብ ምግልጋል ዝርከብ ክኸውን ክምዘለዎ ቅዱስ ኣቦና ዝሃብዎ ሥልጣናዊ ምዕዳን ኣብ ግብሪ ከውዕልን ነቲ ንሓዋርያዊ ሓልዮት ዝተዓደለኒ ሕዝበ እግዚኣብሔር ብቑዕ መገልገሊ ኮይነ ክርከብ ናይ ቅዱሳት ኣማላድነትን ጸሎት ናይቲ ዘገልግሎ ሕዝቢ እግዚኣብሔር ከይፍለየኒ እላበው እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.