2012-02-18 14:29:57

ብፁዕ ካርዲናል ብራዝ ደ ኣቪዝ፦ “መሰኻኽር ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣብ ዓለም”።


ናይ ኣባላት ውፉይ ሕይወትን ገዳማውያንን ኣባላት ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማኅበራትን ዝሓሊ ቅዱስ ማሕበር ኅየንተ ሎሚ ካብቶም ብቅዱስ ኣቦና ንማዕርገ ካርዲናል ካብ ዝተሸሙ 20 ሊቃነ ጳጳሳት ሓደ ዝኾነ ብራዚሊያዊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ዥዋው ብራዝ ደ ኣቪዝ ብዛዕባ መሠረታዊ RealAudioMP3 ትርጉም ሢመተ ካርዲናል እንታይ ኢዩ ንዝብል ሕቶ ኣመርኲይዞም ምስ ራዲዮ ቫታካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ቅድም ቀዳድም እቲ ሢመተ ካርዲናል ዝቕበል እቲ ሢመት ነቲ ዝቕበሎ ሰብ ውልቃዊ ረብሓ ዘይኮነስ፣ ከም ተልእኾ ኢዩ ዝቕበሎ። ከም ተልእኾ ክበሃል እንከሎ ድማ ኣብ ናይ ጸዋዕታ ጉዕዞ ብስለት፣ እግዚኣብሔር ዝሓርዮም ዝቕበለዎ ማለት ኢዩ። ብሓባር ምስ ማኅበረ ብፁዓን ካርዲናላት ምስክርነት ንምቕራብ ዝሓትት ናይ ዓቢ ሓላፍነት ጉዕዞ ኢዩ። ናብ ዓሚዩቕ ምስክርነትን ውኅደትን ምስቶም ንዅሎም ዘስምሩን ዘሕብሩን ቅዱስ ኣቦና ብናይ ኣገልግሎት ጸዋዕታ ቀረባ ዝገብር ናይ ዓሚዩቕ ምስክርነት ውኅደትን ኣገልግሎት ኢዩ።
ኣብ 2012 ዓ.ም. ናይ እምነት ዓመት ዝቕበሎ ሢመተ ካርዲናል ስለ ዝኾነ ኣዚዩ የሕጉሰኒ፣ ብዘይ እምነት ካልእ ኵሉ ትርጉም የብሉን፣ ብኻልእ መዳይ እውን ምስቲ ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዓሚይቕ ብርሃን ብጥልቂ ዝድለየሉን ማለት ኣብ ምስክርነትን ግልጽነትን ንዘርኢ ሰብ ሓልዮ ኣብ እተፍጸሞ ሓዋርያዊ ግብረ ኖላዊ ክንክንን ኣብ ማኅበረ ሰብን ኣብቲ ናይ ሥድራ ቤታዊ መንፈስ ዝነቓቓሓላ ቤተ ክርስትያን ክጸንዕ ኣብ ዘለዎ ናይ ሕይወት ውኅደት ዝምርኮዝ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ምለት ኢዩ።
ቤተ ክርስትያን ኣብ ከርሳ ናይ ዝንበርን ዝነብርዎን እምነትን ፍቕርን መሰኻኽር ደቃ የድልያ ኢዩ። ብሓቂ እዚ ኢዩ እቲ ዝኸበደ ዝመስል፣ በንጻሩ ግን ኣዚዩ ዝጸበቐ ትርጉም ኣገልግሎት ዝኾነን፣ በዚ ዓይነት ኣገልግሎት ድማ ብፁዓን ካርዲናላት ብዝተፈላለየ ኣብ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ወይ ድማ ኣብ ሃገራት ዓለም ንኸገልግሎ ዝቕበልዎ ናይ ኣገልግሎት ኃላፍነት፣ ቤተ ክርስትያን ወትሩ ብተመኵሮ ዓሚዩቕ ብርሃን እግዚኣብሔር፣ ብርሃን ማለት ፍቕሪ ንወዲ ሰብን ናይ ወዲ ሰብ ናይ ኃሴት መልስን ብዝኾነ ብርሃን ዝተኾልዔት ኮይና መታን ክንርእያ ዝድግፍ እዩ።
ኣነ ነቲ ዓቢይ ነገር ብምግጥጣም ካብ ዘጽንዑ መስኹዕ ሓደ እየ። ናይ ኣገልግሎትን ምስክርነት ተልእኾ ኢዩ። ኣብ ዙሪያ ናይቲ ብነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝድለይ ውኅደት ዘረጋግጽ ተልእኾ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.