2012-02-18 14:32:41

ብፁዕ ኣቡነ ቹሊካት፣ “ሕገ ኣልቦ ንግድ ኣጽዋር ውግእ፣ ዓመጽን ድኽነትን ይፈጥር”።




ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ፍራንሲስ ቹሊካት ዕለት 13 ለካቲት 2012 ዓ.ም. ኣብ ኒው ዮርክ ዋና ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዛዕባ ውዕል ንግድ ናይ ውግእ ኣጽዋር ኣብ ዝዝትይ ዘሎ ኣኼባ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ማኅበረ RealAudioMP3 ሰብ ዓለም ሓቆፍ ቅጥዓዊ ኣጽዋር ውግእን ናይ ወተሃደራዊ ዕጥቅን ዝምልከት ንግድ ኣጽዋር ውግእ ንምቁጽጻሩን እግባብ ከትሕዞ ዝኽእል ብቑዕን ጽኑዕን ተኣማንን ስሉጡን ሕጋዊ መጋበርያ የድልዮ፣ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ንግድ ኣጽዋር ውግእ ካብዚ ሕጊ ወጻእን ዘይንጹርን ግልጽነት ዘይብሉን ኣልቦ ስሉጥ ኣግባብ ዓለም ሓቆፍ፣ ኣብ መላእ ዓለም መሠረት ምስፋሕ ድኽነት ዓመጽን ኮይኑ፣ ናይ ሰብኣዊ ምሉእ ዕብየት የተናዓቕፍን ኣብ መደብ ሰብኣዊ ዝተራብሑ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ዘለዎ ምዃኑ ብፁዕ ኣቡነ ቹሊካት ገሊጾም፣ እዚ ድማ ተጻይነትን ዓመጽን ናይ ሞትን ገበንን ባህሊ የስፍሕን ናይ ሰላም ጻዕርታትን ርክባትን ዘተን የተዓናቕፍን ኣሎ፣ ምእንት’ዚ ዓለም ሓቆፍ ውሕስነት ሰላምን ድኅነት ንምርግጋጽ ዝኣመተ ኃላፍነት ዝመልኦ ብኹለን ሃገራት ዓለም ሓቆፍ ማኅበረሰብ ተቐባልነት ዘለዎ ናይ ኃላፍነት ተግባር ኣዚዩ ኣድላዪ ኢዩ።
ማኅበርሰብ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ፍቓድን ክብሪ ሕይወት ሰብ ብዘይ ገታእ መታእ ዘኽብረሉ ብሉጽ ዓለም ንምሕናጽ ዝብል ናይ ኃላፍነት ተግባር ክስምዖ ይግባእ ምስ በሉ፣ ናይ ውዕልታት መምዘንታት ትግባሬ ኣብ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ፍቓድን ካብ ምውካስ ክቦክር ዘይብሉን ኩለን ሃገራት ዘዋስእን ኣብ ኩለን ሃገራትን ኩለን ሃይማኖታትን ዘሳትፍ ናይ ሰላምን ብሉጽ ሥልጣነ ሕንጸት ዘተባብዕ ክኸውን ኣለዎ እንክብሉ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዝዛዘሙ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.