2012-02-18 16:58:50

ርእሰ ሊቃነ ጳጳስትን ካርዲናላትን ብሐባር ፡


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ብዘተሐሳሰብዎ መሠረት ፡ ትማሊ ብእኦም ዝተመርሔ አብ አዳራሽ ሲኖዶስ አብ ጸሎትን አስተንትኖን ዝተኮረ ርክብ ከም ዝተኻየደ አብ ቅድስቲ መንበር ዘውጸ መግለጺ አፍሊጡ ።

እዚ ዕለተ ጸሎትን አስተንትኖን”ዚ ነቲ ሎሚ ዚካየድ ዘሎ ብConcistero ዝፍለጥ ስያሜ ሐደስቲ ካርዲናላት ዝጠመተ ከም ዝኾነ እቲ መግለጺ አረዲኡ አሎ ።

ሎሚ ዕለት 18 የካቲት ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ 22 ሐደስቲ ካትዲናላት ሰይሞም አለዉ ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ክፍሊ ማሕተም ቫቲካን ዘውጽኦ መግለጺ ከም ዘገንዘቦ ፡ትማሊ ብጹዓን ካርዲናላት ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ተመሪሖም ድሕሪ ጸሎትን አስተንትኖን ፡ ሐዲሽ ስብከተ ቅዱስ ወንጌል ሎሚ ብዝተሰየመ አርእስቲ ዘትዮም።

አብ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ናይ ኒውዮርክ ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ አቡነ ቲሞቲ ዶላን ሐዲሽን ዳግመ ስብከተ ቅዱስ ወንጌልን አድላይነቱን ብዚምልከት ንብጹዓን ካርዲናላት ብሰፊሑ መግለጺን መብርሂን ከም ዝሀቡ ክፍሊ ማሕተም ዘውጽኦ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ ።

ናይ ኒውዮርክ ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ አቡነ ቲሞቲ ዶላን ሐደ ካብቶም ሎሚ ካርዲናል ዝስየሙ ከም ዝኾኑ ክፍለጥ እንከሎ ፡ ነቲ ጉባኤ ካርዲናላት መግለጺን መብርህን አብ ዝሀብሉ ግዜ ፡ ዝኾነ ይኹን ክርስትያን ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክምስክር ከም ዝግባእ ጠቂሶም ፡ አብዚ እዋን”ዚ ቤተ ክርስትያን ብዓለማውነት ተበዲሃ ከም ዘላ አመልኪቶም ክአ ጸረ መሃይምነት ትምህርተ ክርስቶስ ብዙሕ ስራሕ ክተሰላስል ትጽቢት ይገበራላ ከም ዘሎ ከም ዘረድኡ ካብ አዳራሽ ሲኖዶስ ዝመጸ ዜና ተፈሊጡ ።

አተሐሒዞም ሐደ ካብ ቤተ ክርስትያን ወጻኢ ዝነብር ሰብ እኳ እንተኾነ ሰብአውነት ብዘይ ፈጣሪኡ ክህሉ ከም ዘይክእል ከም ዝአምን ጠቂሶም ኒውዮርክ ዓለማዊ ባህሊ ከም ዘለዋ ይነገር ድአምበር እምነተ እግዚአብሔር ዘለዋ ከተማ ከም ዝኾነት ከም ዝገለጹ እቲ ዜና አመልኪቱ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኢሎም አብ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ሊቀ ጳጳስ ኒውዮርክ ብጹዕ አቡነ ቲሞቲ ዶላን ካልአይ ጉባኤ ቫቲካንን ዝሐለፉ አርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ምእምነና ልዑካነ ቅዱስ ወንጌል ክኾኑ ቤተ ክርስትያን ክትጽዕረሉ ዘለዋ ጉዳይ ከም ዝኾነ ከም ዘተሐሳሰቡ ጠቂሶም እዚ ገቢራዊ ክኸውን ከም ዘተሐሳሰቡ ክአ እቲ ዜና አገንዚቡ ።

ሐዲሽ ስብከተ ቅዱስ ወንጌል ብፈገግታ ብሐጎስ ብውሽጣዊ ስምዒትን ብፍቅርን ካክየድ ዘለዎ መሰረታዊ ጉዳይ ከም ዝኾነ ዘመልከቱ ብጹዕ አቡነ ቲሞቲ ዶላን አብዚ እዋን”ዚ ቤተ ክርፍስትያን ዳግም አሀዱ ኢላ ሐዲሽ ስብከተ ቅዱስ ወንጌል ዜና ሰናየ ንዓለም ትዝርግሐሉ ግዜ ከም ዝኾነ ከም ዘመልከቱ እዚ ካብ አዳራሽ ሲኖዶስ ዝንመጸ ዜና አፍሊጡ ።

በዚ ክፍሊ ማሕተም ዘውጽኦ መግለጽን ካብ አዳራሽ ሲኖዶስ ዝመጸ ዜና መሠረት ድሕሪ ብጹዕ አቡነ ቲሞቲ ዶላን ናይ ሐዲሽ ስብከተ ቅዱስ ውንጌል ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብጹዕ አቡነ ሪኖ ፊዚከላ ንጉባኤ ካርዲናላት አብ ዘስምዕዎ ቃል

ባዝዕባ”ቲ ብቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝተአወጀ እምነተ-ማዕጾ ዝተሰየመ ንእምነተ ዓመት ዚምልከት ሐዋርያዊ መልእክቲ ዝተኮረ ኢዩ ኔሩ ።

ብጹዕ አቡነ ሪኖ ፊዚከላ አተሐሒዞም አብዚ እዋን”ዚ ብዙሐት ክርስትያን ካብ ሕይወት ክርስትና ክርሕቁ ከም ዝርአዩ ጠቂሶም እምነተ ዓመት ነዚ ዝፍውስ ከም ዝኾነ ከም ዘረድኡ ይምልከት ።

እቲ ፈውሲ ምእመናን ምስ መድኅን ዓለም ክርስቶስ ከም ዝራኸቡ ምግባር ከም ዝኾነ ክአ ብጹዕ አቡነ ሪኖ ፊዚከላ ከም ዘረድኡ ተነጊሩ ።



ብዙሐት አባላት ጉባኤ ካርዲናላት ሕይወት ቤተ ክርትስያን ዘተኮረ ቃል ከም ዘስምዑ ክምልከት ከሎ አብ መወዳእታ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝተመርሔ ጸሎተ ሰርክ ከም ዝተኻየደ ካብ አዳራሽ ሲኖዶስ ዝመጸ ዜና አፍሊጡ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሎሚ 22 ሐደስቲ ካርዲናላት ከም ዝተሰየሙ ክፍለጥ እንከሎ ፡ ሐድስትን ዝንበሩን ካርዲናላት ብቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ተመሪሖም ፡ ናይ ሸውዓተ ሐደስቲ ቅዱሳን ዝተኮረ ድምጺ ከም ዝሀቡ መግለጺ ቫቲካን አመልኪቱ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.