2012-02-16 14:10:39

ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና (15/02/2012)
“ስቑል ኢየሱስ ኣብ ፈተና እውን እንተሃለና ወትሩ ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር ከምዝኾንና የስተምህረና”።


“ስቑል ኢየሱስ ኣብ ፈተና እውን እንተሃለና ወትሩ ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር ከምዝኾና የስተምህረና”።
ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ከምቲ ልሙድ ትማሊ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ አዳራሽ ካብ ውሽጥን ወጻእን RealAudioMP3 ዝመጹ በሸሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ከምዘቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንከመልክት፣ ቅዱስነቶም ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጸሎት ኣማእኪሎም ዝጀመርዎ ሥልጣናዊ ኣስተንትኖ በምቕጻል፣ ኣብ ናይ ትማሊ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምሆ ትምህርተ ክርስቶስ ናይ ስቑል ኢየሱስ ጸሎት ኣማእኪሎም ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ፣ ስቑል ኢየሱስ ኣብ ፈተና እውን እንተሃለና ወትሩ ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር ምዃንና ኢዩ ዘረጋገጸልና፣ ሕይወትና ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር ከምዝኾነትን፣ ኣብ ጽንኩር ፈተና እውን እንተወደቕናን እንተሃለናን ጠሪሽና ካብ ኢድ እግዚኣብሔር ወጻኢ ኣይክንወድቕን ኢና ኢሎም።
ኢየሱስ ሰዓተ ሞቱ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ዘቕረቦ ጸሎትን፣ ነቶም ሰቐልቱ ካብ እግዚኣብሔር ምሕረት ሓቲቱ ኢዩ። እዚ ጸሎት ኢየሱስ ነቶም ዘሳቕዩናን ዘዕንዉናን ዘካፍኡናን እውን ክንጽሊ ዝብል ከቢድ ኣመተ ክንፍጽም ዝዕድመና ክኸውን እንከሎ፣ እዚ ማለት ድማ ክሳብ ብርሃን እግዚኣብሔር ነቶም ደለይቲ ጥፍኣትና ክበጽሖምን ልባቶም ክልውጥን ወትሩ መሓርቲ ክንከውን ከምዘለና ክነስተውዕል ከምዝግብኣና ዝዕድም ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ ጸሎትና ከምቲ እግዚኣብሔር ንኣና ዘለዎ ምሕረትን ፍቕርን ኣንሕና እውን ምሕረትን ፍቕርን ክንነብሮ ይዕድመና።
ቅዱስ ኣቦና ቀጺሎም፣ ኢየሱስ ምእንቲ እቶም ሰቐልቱ ምሕረት ካብ እግዚኣብሔር ክሓትት እንከሎ ምስ እግዚኣብሔር ዘለዎ ውሉዳዊ ርክብ ኢዩ ምሉእ ብምሉ ዝነብር፣ ነቲ ብየማናይ ኢዱ ተሰቒሉ ንዝነበረ ፈያታዊ ሎሚ ኣብ መንግሥተ ሰማያት ምሳይ ክትህልው ኢኻ እንክብል ዝሃቦ መልሲ፣ ሕያውነትን ለውሃትን እግዚኣብሔር ዝዕድሎ ጽኑዕ ተስፋ ኣብታ ፍጻሜ ሕይወት ግዜ እውን ዝትንክፍ ከምዝኾነ ዘረጋግጽን ድሕሪ ኣብ ጌጋ ዝተሓመሰ ሕይወት ዝቐርብ ቅኑዕን ንጹሕን ጸሎት ምስቲ ሓንጎፋይ ቢለን ምስ ዝቕበላ ናይ ወዱ ምምላስ ምስ ዝጽበያ ናይ ሕያዋይ ኣቦ ኣእዳው የራኽብ እንክሉ ኣረዲኦም።
ናይ ኢየሱስ ጸሎት ኣብ ቅድሚ እቲ ንኹሉ ፍጥረት ሰብ እውን ዓቢይ ሃንደበት ዝኾነ ዘደንጽው ሞት፣ ካብቲ ንእግዚኣብሔር ካብ ዘሎካ ነቕ ዘይብል እምነትን ካብቲ ምሉእ ብምሉእ ንእግዚኣብሔር ገዛእ ርእስኻ ንምቕራብ ካብ ዝድርኽ ድላይን ፍቓድን ብዝምንጭው ዓሚዩቕ ርግኣት ዝተኸበ ኢዩ።
ኢየሱስ ኣብ ድነ ሞት ሻዕ ምሉእ ብምሉእ ገዛእ ርእሱ ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር ብምእማን፣ ዋላ’ኳ ዘጋጥመና ፈተና ጽንኩርን ከቢድን እውን እተኾነ፣ ዘለዎ ርግጽነት የካፍለና፣ ኣብ ዓሚዩቕ ስቓይ እውን እንተሃለና ካብተን ዝፈጠራናን ዝድግፋናን ኣብ ናይ ኅልውና ጎዳና ዘሰንያናን ብፍጹም ፍቕርን ተኣማንነትን ዝመርሓና ኣእዳው እግዚኣብሔር ወጻኢ ከምዘይንወድቕ የረጋግጸልና እንክብሉ ነቲ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ኣጠቓሊሎም፣ ነቶም ካብ ቀረባን ርሑቕ ወጻእን ዝመጹ ነጋድያን ምእመናን ሰላምታኦም ኣቕሪቦምን ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.