2012-02-16 14:16:36

ሥልጣናዊ ኣስተምህሮ ቅዱስ ኣቦና ንናይ ሮማ ዘርኣ ክህነት ተመሃሮ
“ዋላ’ኳ ኣድላዪ እንተኾነ ንሰብ ክጸቕጥ ዝኽእል ሓደጋ ምስ ዝኸውን ናይ ቁጠባን ናይ መራኸቢ ብዙኃን ሥልጣን ገዛእ ርእስኹም ከይተማስሉ”።


ዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዓመታዊ በዓል እኖ ማርያም ዘተኣምኖ ሓላዊት ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ተመሃሮ ሮማ ምኽንያት ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ ኣብቲ ዓቢይ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ሮማ በጺሖም ምስቶም ኣሕሉቕን ኣበ ነፍስን ሓለፍትን ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነትን RealAudioMP3 ተመሃሮን ተራኺቦም ድሕሪ ዝቐረበሎም ምዉቕ ውሉዳዊ ኣቀባብላን ዝተስምዑ ናይ እንቋዕ መጻእኩም መልእኽትታትን መንፈሳዊ መዛሙራትን፣ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ሥልጣናዊ ኣስተምህሮ ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዘቕረብዎ ሥልጣናዊ ኣስተምህሮ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ናይ ቁጠባ ዓለም ንናይ ሓባራዊ ጥቅምን ናይ ሰብኣዊ ሕይወት ሓልዮ ዝሓለነ መጋበርያ ዘይኮነስ መጋበርያ ናይ ጸቓጢ ሥልጣን ኮይኑ ልክዕ ከም ጣዖት ክምለኽ ንዓለም ዝዕብልልን ብሓቂ ናይ ሓሶት ‘መለኮታውነታዊ’ ኮይኑ ኣሎ። ናይዚ ሥልጣን ተገዛኢ ናብ ምዃን ዝድርኽ ተመሳሲልካ ናይ ምንባር ዝምባለ ተቓወሙ። እቲ ዘገድስ ዘለካ ዘይኮነስ ምዃንካ ኢዩ፣ ስለዚህ በቲ ከም ደቂ እግዚኣብሔር ዘሎና ናጽነት መሠረት ቁጠባ ኮነ መራኽቢ ብዙሃን ክንጥቀመሉ እምበር ግዙኣቱ ክንከውን የብልናን ኢሎም።
ተመሳሲለ ክሓድር ዘይብል ክርስትና የድሕንን ሓቂ የዕስልን ንሓቂ የበርክተካ ኢሎም፣ እግዚኣብሔር ተመሳሲለ ክሓድር ዘይብሉ እዚ ማለት ድማ ጸረ እነንብረሉን ብእግዚኣብሔር ዝተፈጥረ ዓለም ምዃን ማለት ዘይኮነስ፣ ንዓለም ብሓቀይና ፍቕሪ ንኸነፍቅር ዘብቅዓና ኣብ ዓለም እምበር ናይ ዓለም ዘይምዃን ኃይሊ ክዕድለና ንለምኖ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ብዛዕባ ሮማዊት ቤተ ክርስትያን ብዙሕ ክዝረብን ክበሃልን ይስማዕ፣ ተስፋ ንገብር ብዛዕባ እምነትናን ናይ ሮማዊት ቤተ ክርስትያን እምነትን ክዝረቡ ኢሎም፣ ብናይ እግዚኣብሔር ጭቡጥ ኅላዌ ዝተመልኡ ሓሳብናን ኣመለኻኽታናን ጥራሕ ዘይኮነስ መላእ ሕይወትና ሊጡርጊያን ኣምልኾን ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.