2012-02-14 14:26:24

ኮምቦናውያን ኣብ ኤውሮጳ


ኅላዌ ኮምቦናውያን ኣብ ኤውሮጳን ናይ ሓባር መሥርሕ ንወንጌላዊ ተልእኾ ኣብ ኤውሮጳ ንምልላይ ዝዓመተ፣ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ፔሳሮ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዝርከቡ ናይ ማኅበረ ኮምቦናውያን RealAudioMP3 ልኡካነ ወንጌል ኣሕሉቕ ኣኼባ ይካይዱ ከምዘሎ ክምልከት እንከሎ፣ ኣብቲ ዝሑል ልቢ ዝረኣየሉ ክፍሊ ዓለም ኤውሮጳ፣ ክቡራት ዋጋታት ንምንቕቓሕ ኮምቦናውያን ልኡካነ ወንጌል ኣብ ኤውሮጳ ዘካይድዎ ዘለዉ ኣኼባ፣ ኣስፍህቶ ወንጌልን ፍትሕን ሰላምን ዝብሉ ቃላት ብተደጋጋሚ ዝተሰመረሉ ከምዝኾነ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ኮምቦናውያን ኣብ ኤውሮጳ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ቃለ ምልልስ ዝገበሩ ኮምቦናዊ ኣባ ጁዜፐ ካቫሊኒ ሓቢሮም፣ ኮምቦናውያን ብሓባር ኣብ ኤውሮጳ ተልእኾኦም ብናይ ሓባር መንፈስ ክመርሑ መታን ኩነት ኤውሮጳ ብሓባር ኣንቢቦም ብናይ ሓባር ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምላሽ ክህብሉ ዝጽውዕ ኣኼባ ምዃኑ እውን ገሊጾም፣ ኣብታ ኤኮኖሚያዊ ረብሓ ኣብ ዝብል ዕጹው ድላይ ንእትሕነጽ ዘላ ኤውሮጳ እቲ ዝለዓለ ክቡር ዋጋ ንምንቕቓሕን ማኅበረሰብ ኤውሮጳ ንምሕናጽ ዝኣመተን፣ እዚ ንምርግጋጽ ድማ ከም ኮምቦናውያን ናይ ሓባር መሥርሕ ኣገልግሎት ወንጌል ንምሕንጻጽ ዘለዎ ኣገዳስነት ግምት ብምሃብ ዝተጠልበ ኣኼባ ኢዩ ኢሎም።
ኣብ ኤውሮጳ ዝርኤ ዘሎ ቅልውላው ሥነ ሰብኣዊ ባህርይ ዘለዎ ኢዩ፣ ስለዚ እትውከሶ መሠረታዊ ክቡር ዋጋ ዝድለየሉን፣ ብፍላይ ድማ መንእሰያት እቲ ዝነብርዎ ዘለዎ ኩለ መዳያዊ ቁጥዔን ዘይምቕሳንን ንምውጋድ፣ ኣብነት ዝኾኖምን ዝውከስዎ ቅዉም ነገር ንምሕባር ከም ኮምቦናውያን መጠን ኣብዚ መዳይ ክፍንጽሞ ዝግብኣና ተልእኾ ወንጌል ክስዕቦ ዝግብኦ ናይ ሓባር መገዲ ንምምልካት ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ኢዩ፣ ስለዚህ ነቲ ሥነ ሰብእ መሠረት ዘለዎ ቅልውላው ግዚያዊ መልሲ ዘይኮነስ ክቡራት ዋጋታት ብምንቕቓሕ ኣብቲ ክቡራት ዋጋታት ዝቐውም ሕይወት ብምሕናጽ ዝውገድ ምዃኑ ነቲ ናይዚ ቅልውላው ግዳይ ኮይኑ ዘሎ መንሰይ ኤውሮጳ ንምሕባር ከም ኮምቦናውያን ክንኽተሎ ዝግብኣና መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንምሕንጻጽ ዘነቓቕሕ ኣኼባ ኢዩ ኢሎም።
ኣብቲ ናይ ፐሳሮ ኣኼባ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣለክስ ዛኖተሊ ብወገኖም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኤውሮጳ ቆራሪት ኢያ። እዚ ክብል እንከለኹ በቲ ዘርአይ ዘሎ ቁርን ቀዝሕን ሓውሲ በረድ ዘለዎ ናይ ኣየር ንብረት መሠረት ዘይኮነስ፣ ቆራሪ ልቢ ዘለዋ ብምዃናን ኣብ ገዛእ ራእሳ ክትዕጸው እትገብሮ ኩለ መዳያዊ ከይዲ ንገዛእ ርእሳ እውን ይኾና የሎን፣ ገዛእ ርእስኻ ንካልእ ክፉት ምግባር ጥራሕ ኢዩ ብሓቂ ሃብታም ዝገበር። ኣብ ኤውሮጳ ኩሉ ኣብ ጉያ ጉያ ዝነበር ብምዃኑ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ቅዱሳት ምሥጢራት ዝግበር ሱታፌ ናይዚ ሸበድበድ ግዳይ ኮይኑ፣ ኣብ እምነትን ሓቅን ዝቖመ ጊዜ እናርሓቀ ኢዩ ዘሎ። እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝንበር መንፈሳውነት ብሓቂ ኣብነት ኢዩ ምስ በሉ፣ ኣብታ ዓለማውነት ከይዲ ዓለም፣ ኣብ ገዛእ ርእሳ ተዓጽያ ክትነብሮ ኣብ እትፍትን ኤውሮጳ፣ ሓቀይና ዓለምውነት ዘቃልሕ ኣስፍሆተ ወንጌል ምንቕቓሕ የድሊ፣ ስለዚ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ነዚ ዝድግፍ ኢዩ ኢሎም።
ኣብ ተስዓታት ኤውሮጳ ኣብ ድኻታት ሃገራት ብሕሱር ናይ ዶሞዝ ክፍሊት ሓይልን ብቕዓትን ድኻታት ሃገራት እናገዝኤት ካብ ኤውሮጳ ወጻኢ ሃብቲ ደሊባ ኢያ፣ ሎሚ ድማ ኤውሮጳ ናብ ኤውሮጳ ተመሊሳ ከምቲ ብሕሱር ናይ ዶሞዝ ክፍሊት ትዕድጎ ዝነበረት ሓይልን ብቕዓትን ሰብ ክትዕድግ ዝብል መደብ ተሳልጥ ኣላ፣ እዚ እቲ ንኣይነት ጥራሕ ዝብል ባህሊ ዝነቓቕሖ ስሱዕ ድላይ ዝፈጥሮ ዘሎ ሃዋሁ ኢዩ። እዚ ዝዓበየ ንኣይነት ዝብል ሓጢኣት ናብ ሞት ይመረሕ ኣሎ፣ እቲ ኣብ ድኻታት ሃገራት ብኻልኦት ዝተፈጥረ ስቓይ ኣብ ኤውሮጳ ይርኤ ኣሎ። እዚ ሓጢኣት እዚ ድማ ብፍትሒ ኢዩ ዝውገድ፣ ምእንቲ’ዚ ተልእኾ ወንጌል ኣብዚ መዳይ ኢዩ ከተኩር ዘለዎ፣ ናይ ሕይወት ባህሊ ዘነቓቕሕን ሕይወት ዘፍቅር ባህሊ ኢዩ ዘገድስ፣ ናይ ኩሉ ሕዝቢ ሕይወት ዘገድሶ ባህሊ ክኸውን ኣለዎ፣ ነዚ ዘይብል ተልእኾ ወንጌል ተልእኾ ኣይኮነን እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.