2012-02-14 14:24:52

እስያ “ራዲዮ ቨሪታስ-ራዲዮ ሓቂ”


ካብ ፊሊፒንስ ከተማ ኵዋዞን ብ 10 ቋንቋታት ዝመሓላለፍ ፈነወ “ራዲዮ ቨሪታስ-ራዲዮ ሓቂ” ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ሮበርት ኤቢሳ ዓለም ሓቆፍ ቀዳመይቲ መዓልቲ ራዲዮ ምኽንያት ምስ ራዲዮ RealAudioMP3 ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ብ80 ሚእታዊ ሕዝቢ እስያ ዝስማዕ ፈነወ ራዲዮ ቨሪታስ፣ ንመላእ ሕዝቢ እስያ ሓቂ ዘበስር እዩ፣ ብጀርመንን ብፕሮፓጋንዳ ፊደ ማለት ብጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሓልዮ ኣስፍሆተ ወንጌል ናብ ኣሕዛብ ሓገዝ ወንጌላዊ ኣገልግሎት ዝፍጸመሉን፣ ናብቲ ክርስትና ዘይበጽሖ ከባቢ ወንጌል ዘብጽሕ እዩ። ስለዚህ ንቶም ኣብ እስያ ዝርከቡ ካቶሊካውያን ጥራሕ ዘይኮነ ንመላእ ሕዝቢ እስያ ዝግደስን ናብ መላእ ሕዝቢ እስያ ዘቕንዔ ኢዩ። ብዛዕባ ክርስትና ክፈልጡ ዝደልዩ ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ሰብዓብቲ ሰማዕቲ ራድዮ ቨሪታስ ብዝሖም ብሚእታዊ ደረጃ ክርኤ እንከሎ ካብቲ ክርስትያን ሰማዒ ዝለዓለ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ኣብ መወዳእታ እታ ራዲዮ ብር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተመሥረተትን ኣብ እስያ ልኡከ ወንጌል ብዝብል መለለዩ ዝገለጽዎ ከምዝኾነ እውን ኣባ ኤቢሳ ኣዘኻኺሮም፣ ነዚ ተልኾ ዝመዓራርይ መልእኽቲ ንምትሕልላፍን ምስ እዚ ተልእኾ ክተኻኸልን ማዕረ እቲ ዕላማኡ ክንበርኽ እውን ብእምነት ዝተደገፈን ብጸሎት ዝስነን ኣገልግሎት ዝፍጸመሉ ምዃኑ ኣረዲኦም፣ ኩሉ ምእንቲ ምስፋሕ ወንጌል ክጽሊ ሓደራ ቢሎም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.