2012-02-09 13:31:18

እግዚአብሔር ፈጺሙ አይሓድገናን እዩ፣ ከምቲ ኢየሱስ አብ ዕንፀይቲ መስቀል ተሰቂሉ እንከሎ ዝገበሮ ሥቃይና ናባኡ ነማዕቁብ


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ኣብ አደራሽ ጳውሎስ 6ይ ዘስተምሃርዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ “አብነት ክርስቶስ ብምስዓብ አብ ሕይወትና ንዘጓንፉና ከበድቲ ኩነታትን ሥቃይን እግዚአብሔር ንልመናና ዝሰምዕ አብ ዘይመስለና ግዜ ንኩሉ ነቲ አብ ልብና ተሰኪምናዮ ዘሎና ከቢድ ጸገማት ብእምነት አብ ኢድ እግዚአብሔር ንምውፋዩ አይንፍራህ” እንክብሉ ብዛዕባቲ ጐ.ኢ.ክ አብ ጻዕሪ ሞት እንከሎ “ኤሎሄ ኤሎሄ ለማ ሰበቅታኒ! አምላኸይ አምላኸይ ንምንታይ ሐዲግካኒ” ዝበሎ ጸሎት ሰፊሕ አስተምህሮ ሂቦም።
ነተን ኢየሱስ አብ መወዳእታ ምድራዊ ሕይወቱ ዘሕለፈን ማለት አብ ልዕሊ ዕፀ መስቀል ዘሕለፈን ሽድሽተ ሰዓታት ብምጥቃስ ቅዱስነቶም ብዛዕባ እቲ ንሰለስተ ሰዓታት ዚአክል ንምድረ ብምልእታ ዝሸፈነ ጸልማትን ገዓር ኢየሱስን ብምትኳር ወንጌላውያን ማርቆስን ማቴዎስን ዝጸሐፍዎ ጸሎት ናይቲ አብ ጻዕሪ ሞት ዝነበረ ክርስቶስ በቲ ወንጌል ዝተጻሕፈሉ ቋንቋ ግሪኽ ጥራይ ዘይኮነ ብዕብራይስጥን አራማስጥን ምጽሓፎም እንኮላይ ብከናፍር ኢየሱስ ዝውሕዝ ዝነበረ ገዓርን ድምጽን የዘንትውልና፣ በዚ ኸአ ቃላት ኢየሱስ ከመይ ከምዝነበራ ንሰምዕ ቢሎም። ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ቅድሚ ናይቶም ጸሎቱ ዘይተረድእዎ ወይ እውን ክርድእዎ ዘይደለዩ ጸርፍን ውርደትን ተሰቂሉ እንከሎ አንጻላይዎ ዝነበረ ንምድሪ ብኩላ ዝኸደነ ጸልማት ገዓር ጸሎቱ ምስቲ ክበድ ሥቃይን ምረት ሞትን እግዚአብሔር ዝሐደጎ ዘምስል ኩነታት ነዚ ዝለዓለ ናይ ፍቅሪ ተግባር ድሕነት ክፍጽም ገዛእ ርእሱ ከወፊ ከሎ አቦኡ ምሳኡ ከምዘሎ ምሉእ ምትእምማን ነርዎ። ወላውን ከምቲ አብ ሩባ ዮርዳኖስን ደብረ ታቦርን ድምጺ ካብ ሰማይ ክሰምዕ እንተዘይከአለ ምትእምማኑ ፍጹምን ርግጸኛን ነሩ፣ አብ ግዜ ፍርኃትን ረዓድን ጸሎት ገዓር ይኸውን እዚ ከአ ንአናውን ከጋጥመና ይኽእል።
አብ ቅድሚ ብጣዕሚ ከቢድ ኩነታትን ሥቃይን እግዚአብሔር ዝሰምዓና ኮይኑ አብ ዝስምዓና ግዜ ንኩሉ አብ ልብና ናይ እንጾሮ ክበድ ንአኡ ንምውፋይ ኣይንፍራህ፣ ሥቃይና እናገዓርና ናባኡ ንምቅራብ ክንፈርህ የብልናን።
አብቲ ደቂ ሰባት ክሒዶም በይኑ ዝሓድጉሉ ናይ መጨረሻ ሁመት፣ ኣብቲ በይኑ ዝተረፈሉ ግዜ ወላውን ኣብታ ሰዓት እቲኣ ናይ ሞት ፍርኃትን ረዓድን እንተተሰመዖ፣ ኢየሱስ እግዚአብሔር አብ ምሳኡ ከምዘሎ ብምርዳእ ይጽሊ፣
አብዚ ክርድኦ ዝግባእ ጸሎት ኢየሱስ ከምቲ ንሞት ብተስፋ ቍርጸት ዝቀባበላ ገዓር ከምዘይኮነ ወይእውን ገዓር ናይ እግዚአብሔር ዝሓደጎ ኮይኑ ዝስምዖ ከምዘኮነ ክንርዳእ የድሊ። ኢየሱስ ኣብቲ ግዜቲ ንመዝሙር 22 ብምሉኡ ናቱ ይገብሮ፣ እዚ መዝሙር ናይቲ ዝሳቀ ዝነበረ ሕዝበ እስራኤል ገዓር ኢዩ፣ ኢየሱስ ነዚ መዝሙር ብምድጋሙ ንሥቃይ እስራኤላውያን ጥራሕ ከይኮነ ናይቶም ብሕሰም ኃጢኣት ዝተጨቆኑ ደቂ ሰባ ኩሎም ሥቃይውን ከይተረፈ ይለብሶ፣ ንኩሉ አብ ልቡ ተሸኪሙ ብትንሣኤ ሙታን መልሲ ከምዝረኽበሉ ብምትእምማን ከአ ናብ ልቢ እግዚአብሔር ብጸሎት የቅርቦ፣ ምስቲ መጠን አልቦ ገዓር ርግጽነት ናይ መለኮታዊ መልሲ ማለት ናይ ድኅነት ርግጽነት አሎ፣ ንኢየሱስ ጥራይ ዘይኮነ ድኅነት ንብዙሓት ይረጋገጽ።
ኣብ ጸሎት ኢየሱስ ዓቢ ምትእምማንን ወላውን ንሕና ክንርድኦ ብዘይንኽእል መደብ አምላኽ ፍጹም ጸጥታ ነጊሡ ዝሓደገካ እንተመሰለ ንኩሉ ኣብ ኢድ እግዚአብሔር ምውፋይን የጠቃልል። እዚ ናይ ኢየሱስ ቃንዛ ምሳና ኃቢሩ ንኣናን ምእንታን ዘሕለፎ ሥቃይ እንክኾን እዚ ከአ ካብ ፍቅሪ ይፍልፍል፣ እዚ ፍቅሪ እዚ ከአ ድሮ ዓውት ናቱ ንዝኾነ ድኅነት ናይ ኩሉ ምሳኡ ሒዙ አሎ። አብዚ ጽንኩር ሁመት እዚ ኢየሱስ ልቡ ነቲ ሥቃይ ክገልጽ እንክሓድጎ ማዕረ ማዕረኡ ከአ ናይ አቦ ምሳኡ ምህላውን ንድኅነት ደቂ ሰባት ዝተዋህቦ መደብ ብፍቃዱ ምቅባሉን ይገልጽ።
ንሕና እውን ወትሩ ኣብ ቅድሚ እዚ ብዙሕ ግዜ ኣብ ጸሎትና እንደግሞ ህልው ሥቃይ ማለት ሱቍታ ኣምላኽ ንርከብ፣ ኮይኑ ግን ኣብ ቅድሚቲ መልሲ ናይቲ እዚ ኩሉ ከምዝሰዓር ጽኑዕ ተስፋ ክህበና ንኩሉ ሥቃይና ዝለብሰ ወትሩ ህልው ዝኾነ ትንሣኤ እውን ከምንርከብ ክንዝንግዕ የብልናን።
በዚ ከአ ጸሎት እንክንገብር እግዚአብሔር ምሳና ከምዘሎን ከምዝሰምዓናን ብምእማን ዕለታዊ መስቀልና ናብ እግዚአብሔር ነቅርብ።
አብ መስቀል ኣብ ጻዕሪ ሞት ናይ ዝርከብ ኢየሱስ ጸሎት፣ ንብዙሓት ዕለታዊ መስቀል ዝኸበዶም ናይ ከቢድ ጸገምን ጭንቀትን ግዜ ዘሕልፉ ዘለው ኣብ ሥቃይ ዝርከቡ ሓንቲ መጸናንዒት ቃል እኳ ስኢኖም ምእንቲ ዘለው ኣኅዋትን ኣኃትን ብፍቅሪ ንክንጽሊ የስተምህረና፣ ነቲ ፈጺሙ ዘይሓድገና ፍቅሪ እግዚአብሔር ንኸስተማቅሩ ነዚ ኩሉ ጸገማቶም ናብ ልቢ አምላኽ ነቅርቦ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.