2012-02-07 13:24:12

ጳጳሳዊ ግረጎርያና መንበረ ጥበብ ፦ “ናብ ፍወሳን ተኃድሶን”


ሮማ ኣብ ናይ ቫቲካን ግዳመ ግዝኣታዊ ከባቢ ዝርክበ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ክሳብ ዕለት 9 ለካቲት 2012 ዓ.ም. ዝቕጽል ንብጹዓን ጳጳሳትን ኣባላት ውፉይ ሕይወትን ገዳማውያንን ንኣባላት ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማኅበራትን ዝሓቀነ ብዛዕባ ብውሑዳት ኣባላት ውፉይ ሕይወት ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕፃናት ዝተፈጸመ በደል ዘማእከለ “ናብ ፍወሳን ተኃድሶን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ካብ RealAudioMP3 መላእ ዓለም ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ዝተዋጽኡ ብጠቕላላ ናይ 110 ሃገራት ቤት ምኽርታት ብፁዓን ጳጳሳት ልኡኻትን፣ ኣብ ሰበኻታት ዘገልግሉ ናይ ሥነ ኣእምሮ ሊቃውንትን ሓኻይም ሥነ ኣእምሮ ኮሚቴን ናይ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ክፍሊ መጽናዕቲ ሥነ ኣእምሮን ሊቃነ መናብርቲ ዝሳተፍሉ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ መጽናዕቲ ትማሊ ዕለት 6 ለካቲት 2012 ዓ.ም. ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ዓንቀጸ ሃይምኖት ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ዊሊያም ጆሴፍ ለቫዳ ብዘስምዕዎ ዘረባ ከምእተኸፍተ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ፍሪማ ዝተነብረሉ ብዝተሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ እቲ ብጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ሓልዮት ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ዓወደ መጽናዕቲ ዝሳተፉ ካብ 110 ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ልኡኻትን ዓሠርተ ብፁዓን ካርዲናላትን፣ ናይ ሳላሳ መንፈሳዊ ማኅበራት ዋና ሓለፍትን 40 ናይ ሥነ ኣእምሮ ሊቃውንትን ናይ ሥነ ኣእምሮ ሓኻይምን ብዘቕርብዎ ስክፍታ መሠረት እቲ ዓወደ መጽናዕቲ ነቶም ተሳተፍቲ ነቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ግዳይ ዝኾኑ ሕፃናት ስቓይ ንምሕዋይን ነቲ ሽግር ንምፍታሕ ናይቲ ዓወደ መጽናዕቲ ከምቲ ክርስቶስ ክህቦ ዝኽእል መልሲ ክህቡን ሓገዞም ከቕርቡ ዘኽእሎም ውሳኔታት ዘቕርብ ብምዃኑ ዘለዎ ኣገዳስነት ልዑል ኢዩ ኢሎም።
ናይቶም ግዳይ ዝኾኑ ሕፃናት ፍወሳን ሕውየትን ናይ መላእ ማኅበረ ክርስትያን ኣዚዩ ዘገድስ ኣድህቦ፣ ማዕረ ማዕረ ብኹሉ ጽፍሕታቱ ምስቲ ጥልቂ ናይ ቤተ ክርስትያን ኅዳሴ ዝኸይድ ክኸውን ከምዘለዎ ቅዱስ ኣቦና ብተደጋጋሚ ዘቕርብዎ ምዕዳን ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዝዮ ኣብቲ መልእኽቲ ዘኪሮም፣ ከምቲ ኣብ ማቴዎስ ወንጌል ምዕራፍ 25 ፍቕዲ 40 “እቲ ንሓደ ካብዞም ዝነኣሱ፣ ኣኅዋተይ ዝገበርኩምዎ ንኣይ ከምዝገበርክምዎ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ” እንክብል ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘረጋገጾ ተግባር ናይ ዝሥዋዕ ግብረ ሠናይ ዘንጸባርቕን ዝነብርን ኃላፍነት ምዃኑ ሓቢሮም፣ እዚ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተግባር ቤተ ክርስትያንን ከባቢ ቤተ ክርስትያን ንናይ ሕጻናትን ናይቶም ኣዚዩም ተነቀፍቲ ንዝኾኑ መንእሰያት ዝገጥሞም ብድሆታት ብወንጌላዊ ፍቕሪ ዝተሰነየ መንፈሳውን ሰብኣውን ደገፍ ብምቕራብ ዝፍትሓሉ ግቡእን ብቑዕን ሥፍራ ክኸውን ከምዘተባብዑን ከምዝድግፉን የረጋግጹ።
ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ እቶም ተሳተፍቲ ካብቲ ዘካይድዎ ዓወደ መጽናዕቲ ብዝረኽብዎ ሰፊሕን ዓሚዩቕን ተመክሮ መሠረት ኣብ ቤተ ክርስትያን ጽኑዕ ውጽኢታዊ ሓለዋን ደገፍን ነቶም ናይ ግብረ ሥጋ ዓመጽ ኣደዳ ብብቕዓት ናይ ምቕራብ ተኽእሎ ከነቓቕሑ ምዕዳን ሂቦም ናይቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዕዮ ንእኖ ቤተ ክርስትያን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣወኪፎም ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኃይልን ሰላምን መረጋገጺ ድማ ንዅሎም ተጋባእያን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.