2012-02-07 13:26:49

ብፁዕ ካርዲናል በርቶነ፦ “እዋናዊ ዓቢይ ቅልውላው ሕንጸት”


ብላቲን ሥርዓት ዕለት 5 ለካቲት ዝብዕል ዓመታዊ በዓል ቅድስቲ ኣጋታ ምኽንያት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ቅድስቲ ኣጋታ ከም ሓላዊት ቅድስት ኣብ እትኽበረላ ከተማ ካታኒያ ተረኺቦም ኣብታ ናይታ ከተማ ዝርከብ ካቴድራል ቅድስቲ ኣጋታ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ ቅዱሳት ዝኽበሩ ጥራሕ ዘይኮኑስ ኣብነቶም እውን ምኽታል የድሊ ቢሎም፣ RealAudioMP3 እቲ ነቶም ናይ ጽባሕ ሃገር ተረከብቲ መንሰያት ተጋሪድዎም ዘሎ ቅልውላው ካብ ኢምንትነት ኣመለኻኽታ ዝነቅል ባዶነት ከምዝኾነ ሓቢሮም፣ ስለዚህ ኣብ ሕንጸት መዳይ ተዋፊሮም ዘገልግሉ እቲ ቅልውላዊ ሕንጸት መታን ክውገድ ኣብ ክቡራት ዋጋታት ዝውከስ ግልጽን ትኽክለይናን መደብ ሕንጸት ከቕርቡ ይግባእ ኢሎም።
መንእሰይ ቅድስቲ ኣጋታ ሰናይ ምልክት ወንጌላዊ ሕይወት ኮይና ናይዚ ሕይወት ምስክርን ሓናጺት ወንጌላዊ ሕይወት ኮይና ዝሃበቶ ኣኽባርን ተኣማንን ኣብነት ጠቒሶም፣ ኣባይቲ ሥድራ ናይ ሕንጸት ሥፍራ ዝብል ዝተቐበልዎ ኃላፍነትን ትርጉም ምዃኖምን ዳግም ከረጋገጹን፣ ካልኦት እቶም ኣብ መዳይ ሕንጸት ዝዓዩ፣ መንሰይ ኣብ ምንዳይ ሓቀይና ክቡራት ዋጋታት ሕይወት ክመርሑ ከምዝግብኦም ኣተሓሳሲቦም፣ እቲ ብሰፊሕ ዝተግሃደ እዋናዊ ቅልውላው ቅልውላው ኤኮኖሚ ጥራሕ ዘይኮነስ መሠረቱ ናይ ሕንጸት ቅልውላው ኢዩ ቢሎም፣ ናይዚ ቅልውላው መፍትሒኡ፣ ኣብነት ቅዱሳት ምኽታልን ኣብቲ ዝነበርዎ ክቡራት ዋጋታት ዝውከስ ሕንጸት ምቕራብ ኢዩ ከምዝበሉ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ምሕደራ ጉዳይ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ጁዜፐ ሻካ ብወገኖም እቲ ቅድስቲ ኣጋታ ዝነበረቶ ምሉእ ብምሉእ ብዘይ ፈረቓ ናይ ክርስቶስ ምዃን ሕይወታ ካብ ቃል ኣምላኽ ጽን ምባልን ካብ ጸሎትን ርክብ ምስ ቅዱስ ቁርባንን ዝተወልደ ናጻን ብሱልን ውሳኔ ድንግልናኣ ምዃኑ ጠቒሶም፣ ቅድስቲ ኣጋታ ናይ ንጽሕናን ድንግልና ተኣዝዞን ድኽነትን ኣብነት ኢያ ምስ በሉ፣ እቲ ናይ ክብሪ ሰብ ልዑልን ዘይሕከኽን ሰብኣዊ ክብሪ ዘመልክቶ ክብሪ ነጻነት፣ ካብ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ዝብገስ ከምዝኾነ ኣረዲኦም፣ ናይ ቅድስቲ ኣጋታ ሕይወት ነቲ ኣብዚ እዋን ናይ ወዲ ሰብ ሰብነት ኣብ ዕዳጋ ዘውርድ ክብሩ ዝሓክኽ እናሰፍሔ ዝከይድ ዘሎ ሰብነት ከም ግኡዝ ዝሓስብ ባህሊ ዝጻረር ሓቀይናን ብርታዔን ንጽኅናን ዘጉልሕ ኢዩ ከምዝበሉ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.