2012-02-04 14:30:51

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ “በአቱ ለእግዚእነ፣ ወንጌላዊ ምኽርታት መሕየሊ እምነትን ተስፋን ፍቅርን ምዃኑ ዘረጋግጽ ኢዩ”


ቅድሚ ትማሊ ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን በዓለ በአቱ ለእግዚእነ አብዒላ ከምዝወዓለት ክፍለጥ እንከሎ፣ ምስ እዚ በዓል’ዚ ተተሓሒዙ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1997 ዓ.ም. መዓልቲ ውፉይ ሕይወት ክብዕል ብዝሃብዎ ውሳኔ መሠረት በቢ ዓመቱ በአቱ ለእግዚእነን RealAudioMP3 መዓልቲ ውፉይ ሕይወትን ተተሃሒዙ ክብዕል ከምዝጀመረ ዝዝከር ኮይኑ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንበዓለ በአቱ ለእግዚእነ ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባሲሊካ ኣብ ዝመርሕዎ ጸሎተ ሠርክ ኣብ ዘስምዕዎ ሥልጣዊ ስብከት፣ እቶም ውፉይ ሕይወት ዝነብሩ፣ እቲ ገዛእ ርእሶም ንእግዚኣብሔር ገጸ በረከት ገይሮም ንምቕራብ ጸዋዕታ ዘለዓዓሎም ውጥን ክኅድሱን ጥልቂ ድልየቶም ኅያው ክገብሩን ከምዘተሓሳሰቡ መግለጺ ቅድስቲ መንበር የመልክት።
ነፍሲ ወከፍ ውፉይ ሕይወት ዝነብር ሰብ፣ ኣብዚ ክብረ በዓል በአቱ ለእግዚእነ መላእ ማኅበረ ክርስትያን ዘዕርጎ ጸሎት፣ እግዚኣብሔር ንዝዓደሎን ንዝዕድሎን ጸጋ ጸዋዕታ ውፉይ ሕይወት ዘመስግን ኢዩ። መዓልቲ ውፉይ ሕይወት ናይቶም ንኽርስቶስ ክስዕቡ ዝተሓርዩ ዝህብዎ ናይ ቃልን ሕይወትን ምስክርነት፣ ዘኽብር ዕድል ምዃኑ ገሊጾም፣ ነዚ በዓል ዝገልጽ ቅዱስ ወንጌል ዘቕርቦ ሓቀይና ታሪኽ፣ ነቲ ናይ ውፉይ ሕይወት ቅዋሜ ከም መረጋገጺ፣ ናይቶም ሕይወቶም ገጸ በረከት ገይሮም ነኸቕርቡ ዝተጸውዑ ዝሓርይዎ ሕይወት፣ ከም መወከሲ እንጥቀመሉ ቅውም ነገራትን ምስልን በቲ ወንጌላውያን ዘቕርብዎ ናይ ኢየሱስ ሥርዓት ሕይወት ንኣብ ብዘይ ቅድመ ኩነት ምሉእ ውፉይነቱ ዘረጋግጸሉ ድንግልናን ድኽነትን ተኣዝዞን ምኽርታት መሠረት፣ ኣብ ቤተ ክርስትያንን ዓለምን ንኣኡ ዝውክሉ ኢያቶም ኢሎም፣ በዓለ በአቱ ለእግዚእነ ምሥጢረ ውፉይነት ዝብዕለሉ ዕለት ምዃኑ እንከመልክቱ፣ ናይ ኢየሱስ ውፉይነትን ናይ ማርያም ውፉይነትን ምእንቲ ፍቕሪ መንግሥተ ኣብ፣ ናይቶም ኣብ ናይ ኢየሱስ ተኸታልነት ሕይወት ዝነብሩ ውፉይነት ዝብዕለሉ ዕለት ኢዩ ኢሎም።
ኵላዊት ቤተ ክርስትያን መበል 50 ዓመት ምጅማር ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ምስ እትዝክረሉ ዕለት ተተሓሒዙ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ናይ እምነት ዓመት ዝጅምረሉ ዕለት ምዃኑ ዘኪሮም፣ ስለዚህ ናይ ውፉይ ሕይወት ኣገደስትን ዝሓቶን ክብርታት ልዑል ኣድላይነትን ብጥልቂ ክስትንተን ከምዝመዓዱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ፣ ኣብቲ ዓመት እምነት እቶም ንኽርስቶስ ብናይ ወንጌላውያን ምኽርታት ብቕርበት ንኽስዕቡ ዝተሓርዩ ዝቐረበሎም ጸዋዕታ ሓንጎፋይ ቢሎም ዘእንገዱ፣ ምስ እግዚኣብሔር ዘለዎም ርክብ፣ ብዕምቆት ዳግም ከስተንትኑን ከጽኑዕን ኣተሓሳሲቦም፣ ቅቡላት ዝኾኑ ወንጌላውያን ዘቕርብዎ ናይ ሕይወት ሓቀይና ሓባሪ መርሕ ምኽርታት፣ ምስ እግዚኣብሔር ዘተሓባብር እምነትን ተስፋን ፍቕርን ዘበርትዕ ምዃኑ ኣረዲኦም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ናይ ውፉይ ሕይወትን መናንያን ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማኅበራት ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር፣ ኣብቲ ናይ እምነት ዓመት እቶም ውፉይ ሕይወት ዝነብሩ ኣብ ናይ ሓድሽን ዳግማይን ኣስፍሆተ ወንጌል መደብ ብዉዕዉዕ ስምዒትን ቀልብን ክዕጠቑ እቲ ሕራይ ቢሎም ዝተቐበልዎ ጸዋዕታ ዝሕድስሉን ተኣማንነቶም ንምርግጋጽ ዘኽእሎም ብቑዕ መንፈሳዊ ሰብኣውን መጋበርያ ከምዘቕርብ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መወዳእታ ኣዘኻኺሮም ዘስምዕዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.