2012-02-03 09:15:10

ር ሊ ጳ ጳጳሳት በነዲክቶስ ንፊላደልፍያ ናይ ሐዘን ተለግራም ልኢኾም ፡


አብ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ናይ ፊላደልፊያ ሊቀ ጳጳስ ዝነበሩ ብጹዕ አቡነ አንቶኒ ጆሰፍ በቪላኳ አብ መበል 88 ዕድምኦም ካብዚ ዓለም”ዚ ከም ዝተፈልዩ መግለጺ ቅድስቲ መንበር ንሰበኻ ፊላደልፍያ ጠቂሱ አፍሊጡ።

በቲ መግለጺ መሠረት ብጹዕ አቡነ አንቶኒ ጆሰፍ በቪላኳ ንነዊሕ ግዜ ሐሚሞም ሕክምና ይግበረሎልም ከም ዝነበረ ብሰላም ናብ ቤተ እግዚአብሔር ተመሊሶም ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ምስ ናይ ብጹዕ አቡነ በቪላኳ ቤተ ሰብን ምስ ናይ ሰበኻ ፊላደልፍያን ሐዘን ተሳታፊ ከም ዝኾኑ ዝገለጽ ናይ ሐዘን ተለግራም ንፊላደልፍያ ከም ዝልአኹ መገለጺ ቅድስቲ መንበር አፍሊጡ።

ብጹዕ አቡነ አንቶኒ ጆሰፍ በቪላኳ ንነዊሕ ምእንቲ ማሕበራዊ ፍትሒ መሰል ስደተኛታት ክኽበር ንነዊሕ ዓመታት ተገሂሆም ዝሰርሑ አቡን ከም ዝኾኑ በነዲክቶስ መበል 16 ንሰበኻ ፊላደልፍያ ዝልአኽዎ ናይ ሐዘን ተለግራም ጠቂሱ ድሕሪ ጉባኤ ቫቲካን ካልአይ አብ ዝተኻየደ ተሀድሶ ሕገ ቁኖና ቤተ ክርስትያን ዓቢ አስተውጽኦ ዝገበሩ አገልጋሊ እግዚአብሔር ከም ዝነበሩ ከም ዘገንዘበ ይምልከት ።

ብጹዕ አቡነ አንቶኒ ጆሰፍ በቪላኳ በ17 ሰነ 1923 አብ ኒውዮርክ ከም ዝተወልዱ ላዕላዋይ ደረጃ ትምህርቶም አብቲ አብ ሮማ ዝርከብ ግረጎርያን ጳጳሳዊ ዩኒቨርሲቲ ሕገ ቁኖና አብ ኒው ዮርክ ሰይንት ጆን ዩኒቨርሲቲ መሰል ቤርጌስ ትምህርቲ ከም ዝዛዘሙ ብ1949 መዓርገ ክህነት ከም ዝተቁበሉ ተገሊጹ ።

ብጹዕ አቡነ አንቶኒ ጆሰፍ በቪላኳ ብ1980 ብብጹዕ ዮሐንስ ጳውሎስ ካልአይ ሐጋዚ ጳጳስ አብ ሕቡራት መንግስታት አመሪካን ናይ ብሩክሊን ሐጋዚ ጳጳስ ከም ዝተሰየሙ ብ1988 ክአ ሊቀ ጳጳስ ፊላደልፊያ ኮይኖም ከገልግሉ ከም ዝተመርጹ ይፍለጥ።








All the contents on this site are copyrighted ©.