2012-02-02 13:34:01

“ናይ እምነት መንነት ወረቐት”፦ ናይ እንግሊጣርን ወይልስን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ውሳኔ


ናይ እንግሊጣርን ወይልስን ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ኣስፍሆተ ወንጌልን ናይ ካቶሊክ እምነት ትምህርተ ክርስቶስ ጉዳይ ዝሓሊ ድርገት ኣስፍሆተ ወንጌል ንምንቕቓሕ ብዝብል ዕላማ መሠረት RealAudioMP3 ናይ ምእመን “ናይ እምነት መንነት ወረቐት” በሓደ ገጽ ናይ ምእመን ስእልን ምሉእ ስምን ዕለት ልደትን መንበሪ ቦታን ዝገልጽ በቲ ሓደ ገጽ ድማ ናይ ካቶሊካዊ ምእመን ሽዱሽተ ቀዳሞት ግቡእ ኃላፍነት ማለት “ክርስቶስ ምፍላጥን ምቕባልን ዘለዎ ዝዕድሎ ሓጎስ ንኻልኦት ምክፋል፣ ጸሎትን፣ ስሩዕ ሱታፌ ኣብ ቅዱሳት ምሥጢራትን፣ ንብጻይካ ከም ገዛእ ርእስኻ ምፍቃርን፣ ኅያባት ቅዱስ መንፈስ ምኽባርን ምንባርን፣ ከምቲ ንበደላትካ ምሕረት ንዝበደሉኻ ይቕር ምባል” ዝብሉ ነጥብታት ዝተሓትሞ ናይ ካርዲናል ብፁዕ ሄንርይ ኔውማን ኃላፍነትን ግቡዕነትን ካቶሊካዊ ምእመን ዘንጽር ጥቕሲ ዝሰፈሮ ኮይኑ፣ ኣብ ዝኾነ ይኹን ሓደጋ ሕይወት ንካቶሊካዊ ካኅን ተወከስ ዝብል መተሓሳሰቢ ዝተነብሮ ጽሑፍ ዘጠቓለለ ከምዝኾነ ናይ እንግሊጣርን ወይልስን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌልን ናይ ካቶሊክ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምህሮ ሓልዮ ድርገት ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ካይራን ኮርይ ከምዝሓበሩ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።
እቲ ናይ እምነት መንነት ወረቐት ካቶሊካውያን ምእመናን ዘለዎም ሓላፍነት ቅድመ መዘኻኸርን፣ ሰዓቢ ክርስቶስ ማለት እንታይ ማለት ከምዝኾነ ዘዘኻኽርን እምነት ብተፋረቕ ዝንበር ከምዘይኮነ ዘተሓሳስብን ኣብ እግዚኣብሔርን ከምእተኣምንን ሕይወት ትርጉም ከምዘለዎን ኣብ ምፍቃርን ምግልጋልን ዝንበር ከምዝኾነን፣ እምነት ብቓልን ሕይወትን ምምስካር ዘተሓሳስብ ጥራሕ ዘይኮነ፣ ካቶሊካዊ ምእመን ብዛዕባ እንታይነት እምነቱን ሃይማኖቱን ንዝሓትዎ ብግቡእ ክምልስ ዝብል ዝሰፈረ ሓሳብ ነዚ ዘብቕዖ ድማ ኣብ ቀጻሊ ናይ እምነት ሕንጸት ክሳተፍ ከምዘለዎን ዘነስቓቕሕ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም ኣብ እንግልጣርን ወይልስን ኣብ ዝርከባ 24 ሰበኻታት ኣብ ወርሒ ለካቲንን መጋቢትን ንምእመናን ክባጻሕ ከምዝኾነ እውን ከምዝገለጹ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.