2012-02-02 13:32:01

ናይ ማላዊ ብፁዓን ጳጳሳት፦ “ናይ ዘተን ሰላምን” ጻውዒት


ናይ ማላዊ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ካብ ዕለት 24 ጥሪ ክሳብ ዕለት 27 ጥሪ ቀዳማይ ናይ 2012 ዓ.ም. ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ከምዘካየደ እንክንገር፣ ናይቲ ቤት ምኽሪ RealAudioMP3 ብፁዓን ጳጳሳት ዋና ጸሓፊ ክቡር ኣባ ጆርጅ ቡለያ ፊርማ ዝተነብረሉ ዘውጽኦ ናይ ጉባኤ ፍጻሜ ሰነድ፦ ናይ ማላዊ መንግሥትን ዝተፈላለዩ ናይ ፖለቲካ ውድባትን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ማኅበረ ኣማንያን ማኅበረሰብ ብሄራትን ኣብዚ ማላዊ እተሕልፎ ዘላ ጽንኵር ፖሊቲካውን ኤኮኖምያውን ማኅበራውን ኵነት ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ኵለ መዳያዊ ሽግራት ብብቕዓትን ብቕንዕናን ዓቕልን ብመንፈስ ሓቕን ፍቕርን ዝተመርሔ ከይዲ መሠረት ፍታሕ መታን ክረክብ ምክብባር ናብ ዝዓሰሎ ኣገዳሲ ዘተ ከመርሑ ጻውዒት ከምዘቕረበ ናይ ማላዊ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዘውጽኦ መግለጺ የመልክት። እቲ ሰነድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ወርሒ ሕዳር 2011 ዓ.ም. ንመላእ ኣፍሪቃ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዝለገስዎ ድኅረ 2009 ዓ.ም. ካልኣይ ሲኖዶስ መላእ ኣፍሪቃ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳስት “ኣፍሪካ ሙኑስ - መብጽዓ ኣፍሪቃ” እተሰምየ ምዕዳን መሠረት፣ ናይ ማላዊ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ፍሉይ ናይ ሓባር መጽናዕቲ ገይሩ ኣብ ሕንጸት ሃገር ናይ ደቀንስትዮን መንእሰያትን ኣስትዋጽኦን፣ መሠረት ኵሉ ምዕባለ ምኽባር ናይ ሕይወት ባህሊ ከምዝኾነን፣ ሕይወት ካብ ምጽናስ ካሳብ ባህርያዊ ሞት ሓለዋን ክንክንን ዘተኮረ ሕንጸት ከምዝኾነ ኣተሓሳሲቦም፣ እቲ ካብ 2012 ዓ.ም. ክሳብ 2013 ዓ.ም. ንኽካየድ ቅዱስ ኣቦና ዝኣወጅዎ ናይ እምነት ዓመትን ነዚ ናይ እምነት ዓመት መምርሒ ዘመሓላለፍዎ ሰነድ ተመርኵይዞም ናይ ማላዊ ቤተ ክርስትያን ናይ እምነት ትምህርተ ክርስቶስን ካቶሊካዊ ናይ ፖለቲካ ሕንጸት ንምንቕቓሕ ዝድግፍ ሰነድ እውን ከምዘቕረበ እውን ክምልክት እንከሎ፣ ኣብ መወዳእታ እቲ ናይ ታንዛኒያን ኡጋንዳን ከንያን ዛምቢያን ኢትዮጵያን ማላውን ኤርትራን ሱዳንን ጂቡቲን ሶማሊያን ዝጥርንፍ ናይ ሃገራት ምሥራቕ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኅብረት ኣብ 2014 ዓ.ም. ኣብ ማላዊ ንዘካይዶ ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዘሰናድው ኮሚቴ ኣውን ከምዘቖመ እቲ ናይ ማላዊ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ዘካየዶ ጉባኤ ፍጻሜ ሰነድ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.