2012-01-28 14:45:00

ናይ ቅድስቲ መንበር ርእሰ ዓንቀጽ፥ “መዓልቲ ተዘክሮ ህልቂት”።


ወትሩ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማኅተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ራዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ዘቕርብዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ርእሰ ዓንቀጽ ብምቕጻል፣ ትማሊ ዕለት 27 ጥሪ መዓልቲ ተዘክሮ ህልቂት ነቲ ናይ ሊሚ ናይ ቅድስቲ መንበር ርእሰ ዓንቀጽ መሠረት ገይሮም እቲ ቅድሚ 67 ዓመት ዕለት 27 ጥሪ 1945 ዓ.ም. ኣብ ኣውሽዊዝ ብሥርዓት ናዚ ኣብ RealAudioMP3 ልዕሊ ኣይሁዳውያን ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ህልቂት፣ ዓለም ክርስዖ ከምዘይብሉ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ዘይምርሳዑ ናይ ግድን እውን ኢዩ ኢሎም። ነዚ ዘስካሕክሕ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ንምፍጻም ዝበቕዑ ሰባት ነይሮም ዝብል ሓቀይና ታሪኽ ሎሚ ከይህልዉ ዝብል ውሕስነት ከምዘየረጋግጽ ድማ ኣተሓሳሲቦም፣ እቲ ዘሕዝን መዓልቲ ተዘክሮ ከምቲ ዓይነት ዘሰቕቕ ህልቂት ከይፍጸም መተሓሳስብን መግናሕትን እውን ምዃኑ ገሊጾም።
ዝሓለፈ 67 ዓመት ውሑድ ኣይኮነን፣ ካብቲ ናይ ሕልቂት ሓደጋ ዝደሓኑ ዜጋታት ሎሚ ብሕይወት ዘለዉ እቲ ናይ ሕልቂት ራዕዲ ኣብ ተምክሮ ሕይወቶም ዝተሓትመ ቁጽሮም ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት እናወሓዱ ይኸይድ ከምዘሎን፣ ስለዚህ እቲ ሓድሽ ወለዶ ናይቲ ዝሓለፈ ዘሰቕቕ ታሪኽ ኣፍልጦ ክህልዎን ብዛዕባ እታ ዕለት ተዘክሮ ብዝተፈላለየ መገዲ ክፈልጥን ክርዳእን ምድጋፉ ናይ ኩሉ ታሪኻዊ ሓላፍነት ኢዩ። ፖሊቲካውን ዓሌታውን ሃይማኖታውን ጽልእ ኣብ ዓለም ከይህሉን እቲ ክገሃስ ዘይብሉ ሰብኣዊ ክብርን ኵላዊ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ፍቓድን ውሳኔ ኩሉ ንምኽባሩን ምክልኻሉን ኃላፍነት ዘሰክም ዕለት ምዃኑ ኣረጋጊጾም።
ንአመንቲ እቲ ናይ ህልቂት ሥፍራ “ሥፍራ ቲዮሎጊያ” ኢዩ ቢሎም፣ ብዛዕባ እግዚኣብሔርን ክፍኣትን ሕቶ ዝቐርበሉን፣ ድሕሪ ፍጻሜ ምድራዊ ሕይወትና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ገጽ ንግጽ ኅላዌና ዝገልጽ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ዓቢይ ምሥጢር ብጽሞና ቆይምና ሕቶ እነቕረበሉ ኢዩ። ንኽርስትያን ኵለንተናዊ ቆላሕታኡ ናብታ ስቓይ ንሕይወት ሥፍራ ዝሓድገሉ ናይ ተስፋ መስቀል ክነብር ዘብቕዖ ሥፍራ ኢዩ። ፖላንዳዊ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ጀርመናዊ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ እውሽዊዝን ኣብ ያድ ቫሸምን ብምጻሕ ኣካይዶም ተዘክሮ ከምዝገብሩን፣ ንሕና እውን በዛ መዓልቲ ተዘክሮ ምስ ሕዝቢ እስራኤልን ምስቶም ብዝተፈላለዩ ዘደንጽው ቀታሊ ጽልእን ሰብኣዊ ክብሪ ዝኽሕድ ተግባራት ዝሳቐዩ ሕዝብታት ክንሓብርን ተኻፈልቲ ስቓይ ካልኦት ኮይና ክንርከብን ህልቂት ከይህሉ መታን ተዘክሮ ህልቂት ቀጻልነቱ ውሑስ ክንገር ይግብኣና እንክብሉ ርእሰ ዓንቀጽ ቅድስቲ መንበር ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.